ሕብረት ኤውሮጳ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር ሰሊዑ

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር ሰሊዑ

Radio Erena: 15 December 2017

EU

ሕብረት ኤውሮጳ ንሽዱሽተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር ለጊሱ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ብራስለስ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ብ12 ታሕሳስ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እዚ ዝተለገሰ ገንዘብ መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲሙ ዝተመደበ ልዕሊ 40 ፕሮጀክታት ኮይኑ፣ ንኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ጅቡቲ፣ ሶማል፣ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ዝቐንዐ’ዩ።

እቲ ሕብረት ኣብ ታሕሳስ 2015 ኣብ ዘጽደቖ ናይ ሓገዝ ባጀት፣ ክሳብ ነዘን ሽዱሽተ ሃገራት ኣስታት 800 ሚልዮን ዶላር ክስልዓለን እንከሎ፣ ንኤርትራ ንበይና ድማ ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር ከምዝመደበላ ኣይርሳዕን።

ዕላማ’ዚ ሕብረት ኤውሮጳ ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘፍስሶ ዘሎ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት፣ ሓደ ኣካል ናይቲ “ብካርቱም ፕሮሰስ” ዝፍለጥ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ዝዓለመ መስርሕ’ዩ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብዘን ሃገራት ናይ ስራሕ ዕድላት ብምፍጣርን ሞያዊ ብቕዓት መንእሰያት ብምሕያልን፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ይከኣል’ዩ ካብ ዝብል እምነት’ዩ ነዘን ሃገራት ሚልዮናት ዶላራት ዝልግሰለን ዘሎ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0