ኣህጉራውያን ትካላት ተጣበቕቲ መሰላት፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝምልከት መግለጺ ኣውጺኦም

ኣህጉራውያን ትካላት ተጣበቕቲ መሰላት፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝምልከት መግለጺ ኣውጺኦም

ethi demoሓያሎ ኣህጉራውያን ትካላት ተጣበቕቲ መሰላት፣ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰልፈኛታት ዝወስዶ ዘሎ ጨካን ስጉምቲ ብዝምልከት ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺኦም።

እቲ ብ30 ነሓሰ ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ገዛእ ርእሱ ጉጅለ ብምቛም፣ ኣብ እዋን’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንዝተኻየደ ገበን መርመራ ከካይድ ምዃኑ ንዝወሰኖ ስጉምቲ ተቐባልነት ከምዘይብሉ የመልክት።

 

እቲ ብተወላዶ ኦሮሞን ኣምሓራን ዝጀመረ ሰላማዊ ሰልፊ ናብ ነኣሽቱ ከተማታት’ቲ ዞባ ኣብ ዝልሕመሉ ዘሎ እዋን፣ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ጨካን ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ስለዘይተቖጠቡ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ግቡእ ኣቓልቦ ብምሃብ፣ ሓራን ዘይሻራዊን ጉጅለ ቆይሙ ናብታ ሃገር ክኣቱ ይግባእ ክብሉ፣ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ኣህጉራዊ ፈደረሽን ንሰብኣዊ መሰላትን ዝርከብዎም ሓያሎ በርጌሳውያን ትካላት ከሲሶም።

ነዚ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ገበን ዝምዝግቡን ዝጽብጽቡን ኢትዮጵያውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጋዜጠኛታትን ንገዛእ ርእሶም እቶም ቀንዲ ግዳያት ኮይኖም ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ።

ዳይረክተር ንተጣበቕቲ መሰላት ዝጣበቕ (Defend defenders) ሓሰን ሺረ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብወገኑ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ገበን ዝፍጽሙ ዘለዉ ኣብ ክንዲ ምቕያድ፣ ነቶም ሒደት ተሪፎም ዘለዉ ተጣበቕቲ መሰላት ይኣስር ኣሎ ድሕሪ ምባል፣ ገለ ካብቶም ብሽበራ ዝኸሰሶም ተጣበቕቲ መሰላት፣ ቤተሰቦም ኮነ ጠበቓ ክርእዩ ከምዘይተፈቕደሎም ገሊጹ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ሓያሎ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዜጋታት’ታ ሃገር ጸጉሪ ርእሶም ብምልጻይ ነቶም ሰላማዊ ሰልፊ ዘካዪዱ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ዘለዎም ደገፍ ይገልጹ ኣለዉ። ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘለዉ ኢትዮጵያውያን፣ ነቶም ብግፍዒ ዝተቐትሉ ናይ ሓዘን መግለጺ፣ ነቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘለዉ ከኣ ኣብ ጎድኖም ከምዘለዉ ንምርኣይ ጸጉሮም ክላጽዩ ከምዝመረጹ ይሕብሩ።

እዚ ካብ ከተማ ናብ ከተማ ዝልሕም ዘሎ ኣብያ ህዝቢ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሸውዓተ መዓልታት ጥራይ ኣብ ዞባ ኣምሓራ 28 ሰባት ከምኡውን ኣብ ዞባ ኦሮምያ 17 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተቓውምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ይገልጹ።

ብመሰረት’ቶም ተቓወምቲ ውድባት ዝህብዎ ዘለዉ ሓበሬታ፣ ኣብ ስማዳ ዝተባህለ ከተማ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ሽዱሽተ ሰባት ክቐትሉ እንከለዉ ካልኦት 20 ሰባት ከኣ ኣቑሲሎም ኣለዉ። ብርክት ዝበሉ ሰላማውያን ሰባት እውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0