ፕረዚደንት ኬንያ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዑደት ኣካዪዱ

kenyataፕረዚደንት ኬንያ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ስራሕ ዑደት ኣካዪዱ።

ፕረዚደንት ኬንያታ ኣብቲ ብሰሉስ ናብ ከተማ ጁባ ዘካየዶ ወግዓዊ ዑደት ፕረዚደንት ሳልቫኪር ምስ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን’ታ ሃገር ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

 

ኡሁሩ ኬንያታ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ ብዞባዊ ናይ ንግዲ ምትእኽኻብ ዝተማእከለ ዘተ ሰላም ደቡብ ሱዳን ክቕጽል፣ ሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን ኣበርቲዖም ክሰርሑ ጸዊዑ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ዝተራእየ ዕግርግር ከተማ ጁባ ብተዛማዲ ሰላምን ምርግጋእን ዝሰፈና ትመስል ድሕሪ ምባል፣ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ዝኸፈሉ መስዋእቲ ንናጽነትን ሰላምን ሃገሩ ደኣምበር ብኲናት ሓድሕድ ዳግማይ ክሕመስ ኢሉ ከምዘይኮነ ኣዘኻኺሩ።

ብረዚደንት ሳልቫ ኪር ብወገኑ፣ ድሕሪ’ቲ ዝቐነየ ሕንፍሽፍሽ ኬንያዊ መዘንኡ ናብታ ሃገር ክበጽሕ ናይ መጀመርያ ፕረዚደንት ብምዃኑ ከምዘሐበኖ ድሕሪ ምግላጽ፣ ዑደት ኡሁሩ ኬንያታ መርኣያ ድልዱል መሪሕነት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዝርእዮ ሓቢሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0