‘ኢጣልያ ንሓለዋ ዶብ ሊብያ ምሕጋዛ፣ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት የሕትታ እዩ’ ህዩማን ራይትስ ዎች

Radio Erena: 05 February 2023

ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ከቢድ ግፍዒ ንዘውርድ ዘሎ ሓለዋ ዶባት ሊብያ፣ ፋይናንስያዊ ደገፍ ምግባር፣ ብቐጥታ ምስ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተኣሳሰር፣ መንግስቲ ኢጣልያ ክፈልጥ ኣለዎ፣ ክብል ህዩማን ራይትስ ዎች ከሲሱ።
እቲ ኣህጉራዊ ተጣባቒ መሰላት ኣብ ልዕሊ ኢጣልያ ብኡ ኣቢሉ ከኣ ሕብረት ኤውሮጳ ክሲ ዝምስርት ዘሎ፣ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ክኣትዉ ንዝሕልኑ ስደተኛታት እንዳገተአ ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ግፍዕታት ዘውርድ ዘሎ ሓለዋ ዶባት ሊብያ፣ ካብ ኢጣልያ ሓድሽ ናይ ፋይናንስ ደገፍ ምርካቡ ምኽንያት ብምግባር እዩ።
ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ናይ 2022 ዓመተ ምህረት ጸብጻቡ፣ ኣብ ሊብያ ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ መግረፍቲ፣ ጾታዊ ዓመጽ፣ ባርነት፣ ከምኡ’ውን ካልእ ኢሰብኣዊ ግፍዕታት ይወርዶም ምህላዉ፣ ናይዚ ቀንዲ ተሓታቲ ከኣ ካብ ኢጣልያ ዝምወል ሓለዋ ዶብ ሊብያ ምዃኑ ገሊጹ’ዩ።
ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ብወገኑ፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ዘስካሕክሕ ግፍዒ፣ ምስ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝጽብጸብ ምዃኑ ሓቢሩ’ዩ።
ካብ 2017 ኣትሒዙ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ከይሰግሩ ንምክልኻል ዝዓለመ ናይ 57.2 ሚልዮን ዩሮ ባጀት ሰሊዑ እዩ።
ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጅዮርጂያ መሎኒ ብወገና ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ሊብያ ዑደት ብምክያድ ስምምዕ መሸጣ ጋዝ ድሕሪ ምፍራማ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፣ ንሓለዋ ዶባት ሊብያ ምሉእ ደገፍ ከም እትገብር ሓቢራ እያ።
ኢጣልያ፣ ሓለዋ ዶብ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ተኹሲ ብምኽፋት ከጥሕሉወን እንከለዉ ብተንቀሳቓሲ ስእሊ ወይ ቪድዮ ዝተሰነየ መርትዖታት ቀሪቡላ ክነሱ፣ ነቲ ሓገዝ ክትቅጽሎ ምውሳና ብቐጥታ ተሓታቲት ይገብራ ክብሉ’ዮም ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ክሶም ዘቕርቡ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0