መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ከተማታት ትግራይ ዝካየድ ናይ ነፈርቲ በረራታትን ኣገልግሎት ባንክን ከዛዪዶ ቃል ኣትዩ

Radio Erena: 05 February 2023
መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ከተማታት ትግራይ ዝካየድ ናይ ነፈርቲ በረራታትን ኣገልግሎት ባንክን ከዛዪዶ ምዃኑ፣ ሰበስልጣን’ታ ሃገር ገሊጾም።
ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ንፈለማ እዋኑ ምስ ሓለፍቲ ህወሓት፣ ብዓርቢ 3 ለካቲት ኣብ ዘካየዶ ርክብ እዩ፣ ነዚ ውሳኔ ከምዘመሓላለፈ ዝግለጽ ዘሎ።
መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዘመሓላለፎኦ ጸብጻብ፣ እቲ ርክብ፣ ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲን ህወሓትን ዝተመርጹ ወከልቲ፣ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንምምይያጥ ዝዓለመ እዩ ኔሩ።
ኣብ ዘተ ሰላም ፕሪቶርያ ዝተላዕሉ ዝያዳ ኣቓልቦ ዘድልዮም ጉዳያት እውን ኣብቲ ርክብ ከምዝተዘተየሎም ይግለጽ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት እምነት ንምዕባይን ክሕግዝ፣ ኣገልግሎታት ባንክን በረራታት ናይ መጎዓዝያ ነፈርትን ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ብያዳ ክዓብይ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ውሳኔ ኣሕሊፉ።
ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ፣ ብወገን ህወሓት ዓጢቑዎ ዝጸንሐ ከበድቲ ኣጽዋር ከውርድ፣ ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ከኣ ረዲኤት ብዘይዕንቅፋት ናብ ትግራይ ክኣቱ፣ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ክወጹ፣ ዝብል ዝርከቦም ነጥብታት ምቕራቦም ዝዝከር ኮይኑ፣ ‘ሰራዊት ኤርትራ ጠቕሊሉ ካብ ትግራይ ኣይወጸን’ ዝብል ክሲ ብወገን ህወሓት ተደጋጋሚ ክሲ ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0