ኢትዮጵያ ንግብጽን ኤርትራን ተኸቲላ ኣብ 2023 ብዘጋጠመ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ኣብ ኣፍሪቃ ሳልሰይቲ ንጋዜጠኛታት ዘይምችእቲ ሃገር ተባሂላ

Radio Erena: Wednesday, 24 January 2024

ኢትዮጵያ ንግብጽን ኤርትራን ተኸቲላ ኣብ 2023 ብዘጋጠመ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ኣብ ኣፍሪቃ ሳልሰይቲ ንጋዜጠኛታት ዘይምችእቲ ሃገር ከምዝኾነት ኮሚቴ ንምጥባቕ ጋዜጠኛታት ሲ..ጄይ (CPJ) ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት።

ኣብ ሕዳር 2022 ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ እኳ እንተጸደቐን ኣብ ክልል ትግራይ ተጻብኦታት ብወግዒ ተቛሪጹ እንተሎን ፣ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ኣብ መንጎ ምልሻታት ፋኖን ሓይልታት ፌደራልን ተደጋጋሚ ግጭታት ከም ዝርአ ይፍለጥ።

ኣብ 2023 ጥራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝተኸስተ ጎነጽ፣ ርእይትኦም ዝገለጹን ነቲ ፍጻሜ ሽፋን ዝሃቡን 8 ጋዜጠኛታት ከምዝተኣስሩ ጸብጻብ ..ጄይ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሚያዝያ፡ ማሕበር ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ፣ “ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ ኣገባብ” ብሓይልታት ጸጥታ ዝተኣስሩ ኩሎም ሰብ ሞያ ክፈትሕ” ሓቲቱ ነይሩ።

ኮሚቴ ንምጥባቕ ጋዜጠኛታት ሲ..ጄይ ኣብ 2023‘ምጉብዕባዕ፣ ምፍርራህን ምእሳርን ጋዜጠኛታት፣ ንኩነታት ሓንቲ ሃገር ኣብሪሁ ስለዘርእይ፣ ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ’ ብምባል፣ ‘መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ’ቶም ተበዲልና ዝብሉ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ዝወረደ ማህሰይቲ መርመራ ክገብር አዘኻኽር’ ብምባል ሓቲቱ ምንባሩ ይዝከር።

ብድምር 16 እሱራት ጋዜጠኛታት ዘለዋ ኤርትራ ውን፣ ብምግሃስ ነጻ ፕረስን ምእሳር ጋዜጠኛታትን ኣብ ዓለም ሻብዓይ ደረጃ፣ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ድማ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ትስራዕ።

ኣብ ኤርትራ ከም ኩሉ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት፣ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ጋዜጠኛታት ብዘይ ክስን ፍርድን፣ ገና ሃለዋቶም ኣብ ዘይፍለጥ ቦታ ተሓዪሮም ምህላዎም ብተደጋጋሚ ዝግለጽ ጉዳይ’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0