እንግሊዝ ቻነል ክሰግሩ ዝፈተኑ ሓሙሽተ ሓተቲ ዑቕባ ሞይቶም

Radio Erena: Wednesday, 24 January 2024

ንእንግሊዝ ቻነል ክሰግሩ ዝፈተኑ ሓሙሽተ ሓተቲ ዑቕባ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማያት ፈረንሳ ከምዝሞቱ ሓደ በዓል ስልጣን ባሕሪ ፈረንሳ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እዚ ፍጻሜ ናብ ብሪጣንያ ብነኣሽቱ ጀላቡ ኣብ ዝግበር ፈተና ከም ፈለማ ሞት ስደተኛታት ናይ 2024 ተመዝጊቡሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሓለዋ ባሕሪ ፈረንሳ ልዕሊ 30 ሰባት ድሒኖም እኳ እንተነበሩ፣ ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሰብ ግን፣ ምሉእ ስድራቤታትን ቆልዑን ዝርከብዎም 70 ሰባት ከምዝነበሩ ሓቢሩ።

እቶም 70 ምንባሮም ዝተገልጸ ስደተኛታት፣ እታ ጃልባ ብምግምጣላ እቲ ሓደጋ ከምዘጋጠሞም ተፈሊጡሎ።

ኣብቲ ኣብ ደቡብ ካሌ እትርከብ ዊመርዩክስ ዝተባህለት ዓዲ ዘጋጠመ ክስተት ብዝተኻየደ ጻዕርታት ምድሓን ህይወት ዓሰርተታት ሰባት ካብቲ ማይ ተጎቲቶም ብሂወት ክተርፉ እንከለዉ ሓሙሽተ ካብኣቶም ግን ሞይቶም።

ኣብ ሳንጋተ ፈረንሳ ዝርከብ ማእከል ቀይሕ መስቀል ካብ ዝዕጾ ልዕሊ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣማኢት ሰባት ኣብ ጥቓ ካሌን ዳንከርክን ኣብ ቴንዳታትን ግዝያዊ መዕቆቢታትን ይነብሩ።

ናብ እንግሊዝ ንምስጋር ድማ ኣብ ናይ ጽዕነት መካይን ወይ ኣብ ንእሽቶ ጃልባ ተሓቢኦም ክገብርዎ ንኣዋርሕ ገለ ውን ክሳብ ዓመታት ኣብቲ ከባቢታት ይጸንሑ።

እቶም መብዛሕት ኦም ካብ ምዉቕ ከባቢታት ዝተሰዱ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ቆራሪ ወቕቲ ኣብ ጉዕዝ ኦም ብዙሕ መሰናኽላት ከም ዝገጥሞም ይፍለጥ።

ብመሰረት ጸብጻብ መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ 2023 ኣስታት 30 ሽሕ ስደተኛታት ካብ መሬት ኤውሮጳ ናብ ብሪጣንያ ብንኣሽቱ ጀላቡ ሰጊሮም።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0