ኢትዮጵያ ብሽበራ ተኸሲሶም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ሓሙሽተ መራሕቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ክልቀቑ ተወሲኑ

ኢትዮጵያ ብሽበራ ተኸሲሶም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ሓሙሽተ መራሕቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ክልቀቑ ተወሲኑ

Radio Erena : 21 August 2015

5 Eth

ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ፣ ብናይ ሽበራዊ ገበን ተኸሲሶም ዝነበሩ መራሕቲ ተቃወምቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ዝርከብዎም ብውሕዱ ሓሙሽተ ፖለቲከኛታት ናጻ ክወጹ ወሲኑ።

እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ፣ ነቶም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ መራሕቲ ናይ ዓረና፣ ሰማያዊን ኣንድነትን ዝተባህላ ፖለቲካውያን ልፍታት ክልቐቑ ዝወሰነሉ ምኽንያት፣ ብመንግስቲ ዝቐረበሎም ምስ ሽበራ ካብ ዝተተሓሓዘ ገበናት ናጻ ምዃኖም ብምርግጋጽ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ’ውን ብተመሳሳሊ ክሲ ዝተቐየዱ ንሽዱሽተ ጋዜጠኛታት ምልቓቑ ይዝከር።

 

ኣብ ልምዓት ግዙፍ ዓወታት እተመዝግብ ከምዘላ እትግለጽ ኢትዮጵያ፣ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ብትሪ ካብ ዝንቐፋ ሃገራት ኣፍሪቃ እኳ እንተኾነት፣ በብእዋኑ እትወስዶ ዘላ እወታዊ ስጉምታት ግና ንምስሊ እታ ሃገር ዘመሓይሽ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይጠቕሱ።

===================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0