መንግስቲ ኤርትራ ንዜጋታት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ብዘይ ቪዛ ናብ ኤርትራ ክኣትዉ ፈቒዱ

መንግስቲ ኤርትራ ንዜጋታት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ብዘይ ቪዛ ናብ ኤርትራ ክኣትዉ ፈቒዱ

Radio Erena: 20 August 2015

UAE pas

መንግስቲ ኤርትራ ንዜጋታት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ብዘይ ቪዛ ናብ ኤርትራ ክኣትዉ ፈቒዱ።

ዝሓለፈ ሰሙን ነዚ ዘረጋገጸ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ዜጋታቱ ኤርትራ ናብ እትርከበን 69 ሃገራት ብዘይ ቪዛ ክኣትዉ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ ኣሎ።

ብዘይይ ቪዛ ንኽንደይ መዓልታት ኣብ ኤርትራ ክጸንሑ ከምዝኽእሉ ግና ኣይተነጸረን።

ከም ሱዳን ናብ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ ዝኣትውሉ ድማ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝኣተዉሉ ቪዛ ክሓቱ ከምዝኽእሉ መግለጺ እቲ ሚኒስትሪ የረድእ።

 

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ንወጻእተኛታት ብፍላይ ንምዕራባውያን መእተዊ ቪዛ ብቀሊሉ ዘይህባ ሃገራት ክነሳ፣ ንዜጋታት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብዘይ ቪዛ ክኣትዉ ዝፈቀደትሉ ምኽንያት ኣይትነጸረነ።

ይኹን’ምበር ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክመጽኡ ንዝኽእሉ በጻሕቲ ሃገር ንምትብባዕ ዝዓለም ምዃኑ ይትንተን።

ኣቐዲሙ’ውን ናብ ኤርትራ ዝገሹ ዜጋታት ሱዳን መእተዊ ቪዛ ከምዘይድልዮም ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ሱዳናውያን፣ ኣብ ኤርትራ ዝበጽሐ ቁጽሪ በጻሕቲ ሃገር ሒዞም ምህላዎም’ውን ጸብጻባት ሚኒስትሪ ቱሪዝም የመልክት።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0