ኢትዮጵያ፣ ገበናት ኵናት ይፍጸም ከይህሉ ምጽራይ ዘካይድ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ናብ ትግራይ ክኣቱ ጻዕርታት ይካየድ

 

Radio Erena: 24 December 2020

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ብፍላጥ ዝተፈጸመ ቅትለትን መጥቃዕትን እንተሎ ዘጻሪ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ክኣቱ ጻዕርታት ይካየድ ምህላዉ ተገሊጹ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ናይቲ ውድብ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት መሰላት ዘተሓሳስብ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ነዚ ዝፍጽሙ ዘለዉ ኣካላት ብናይ ኵናት ገበን ክኽሰሱ ከምዝኽእሉ ኣመልኪቱ።

ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሚሊሻታት ኣምሓራን፣ ኣብ ክልል ትግራይ ድሕሪ ምእታዎም፣ ኣብ ልዕሊ ተዛረብቲ ትግርኛ ዘተኮረ፣ ጃምላዊ ቅትለት ንጹሃት ሰባትን ዝምታን ከምዝፈጸሙ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ሓይልታት ህወሓት፣ ኣብ ማይ ካድራ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኣምሓራ ጃምላዊ ቅትለት ከምዝፈጸሙ ይወቅስ።

ይኹን’ምበር እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ብሄርን መንነትን ኣተኵሩ ተፈጺሙ ዝብሃል ዘሎ ጃምላዊ ቅትለት ንጹሃት ሰባት ንምጽራይ፣ ናብቲ ቦታ ናጻ ኣካል ክኣቱ ንዝቐረበ እማመታት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይነጽጎ’ዩ ዘሎ።

ኣብ ናይ ብሄር ግጭታትን ምትፍናን ተሸሚማ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልላት ኦሮሞ፣ ደቡብን ቤንሻንጉል ጉምዝን’ውን ተመሳሳሊ መጥቃዕታት ይቕጽል ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ፣ ኣብ ክልል ደቡብ፣ ምስ ምፍራስ ጸጥታ ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 700 ሰበ ስልጣን ናይቲ ክልል ካብ መዝነቶም ከምዝተኣልዩ፣ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ፣ ብኸምዚ እንተቐጺላ፣ ዝመጽእ ዓመት ከተካይዶ ኣብ ዝወጠነት ምርጫ፣ ታሪኽ ዓሌታዊ ህልቂት ርዋንዳ ከይትደግም፣ ሓያሎ ወገናት ብመንገዲ ትዊተርን ካልእ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ስግኣታቶም ይገልጹ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0