ፕረዚደንት ጂቡቲ፣ ንፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ናይ መራሒ ሃገር ኣቐባብላ ምግባሩ ንመንግስቲ ሶማል ኣቖጢዑ

Radio Erena: 24 December 2020

ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ሙሰ ቢሒ፣ ኣብ ጂብቲ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር፣ ብ23 ታሕሳስ ኣብ ጂቡቲ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ልክዕ ከም መራሒ ሃገር፣ ወግዓዊ ናይ ኣቐባብላ ስነ ስርዓት’ዩ ተጌርሉ።

ፕረዚደንት ጂቡቲ፣ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ንኽብሪ ናይቲ መራሒ ሶማሊላንድ፣ ናይ ድራር እንግዶት ከዳሉ እንከሎ፣ ማዕረ መራሒ ሃገር፣ ኣሰንይዎ ኣብ ዝተፈላለየ ትካላት ጂቡቲ ዑደት ኣካይዪዱ።

መንግስቲ ጂቡቲ፣ ንመራሒ ርእሰ ምምሕዳር ማዕረ ፕረዚደንት ሃገራት ምቕባሉ፣ ንፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ኣቖጢዑ ኣሎ።

መንግስቲ ኬንያ ኣቐዲሙ፣ ንፕረዚደንት እቲ ርእሰ ምምሕዳር፣ ተመሳሳሊ ኣቀባብላ ድሕሪ ምግባሩ፣ ኣብ መንጎ ኬንያን ሶማልን ዝጸንሐ ምትፍናን ናብ ዝልዓለ ጥርዙ ከምዝዓረገ ይፍለጥ።

መራሕቲ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ጂቡቲ፣ ሶማልን ኬንያን፣ ኣብ ጉዳይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣመልኪቶም፣ ብ20 ታሕሳስ ኣብ ጂቡቲ ድሕሪ ዘካየድዎ ህጹጽ ዋዕላ፣ መራሕቲ ኬንያን ሶማልን፣ ተበቲኹ ንዘሎ ዝምድና ንምምሕያሹ ክሰርሑ ከምዝተሰማምዑ’ዩ ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ጂቡቲ፣ ድሕሪ ሳልስቲ ዋዕላ ኢጋድ፣ ንመራሒ ናይ ሓንቲ ካብተን ሶማል ሉኣልዊ ኣካለይ’ያ እትብለን ሶማሊላንድ፣ ማዕረ መራሒ ሃገር ኣቀባብላ ምግባሩ፣ ንፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ከምዘየሐጎሰ ይስማዕ ኣሎ።

ፕረዚደንት ጂቡቲ፣ ንፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ናብ ሃገሩ ብምዕዳም ዝገበረሉ ኣቐባብላ፣ ንሉኣላውነት ሶማል ዘቆናጽብ’ዩ ክብሉ ፖለቲከኛታት ሶማል ይጠቕሱ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ግና ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

ክልቲኦም ፕረዚደንታት፣ ኣብ ጉዳይ ምርጫ ሶማልን ካልእ ኣብ ጸጥታን ፖለቲካን ዘተኮረ ምይይጣት ከምዘካየዱ’ዩ ተሓቢሩ።

ካብ ናይ ሶማል ዜና ከይወጻእና፣ ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ንዝርከብ ሰራዊታ ንምውጻእ፣ መራኽብ ኵናት ናብ ክሊ ማያት ሶማል ከምዘጸገዐት ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0