ኢትዮጵያ፣ ዕስለ ኣምበጣ፣ ኣብ ዘራእቲ ከቢድ ጉድኣት የውርድ ኣሎ

Radio Erena: 15 November 2019

እቲ ናይ በረኻ ኣምበጣ፣ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፈር፣ ኣምሓራን ኦሮሞን ዝርከብ ልዕሊ 20 ሽሕ ልሙዕ መሬታ ኣስፋሕፊሑ ከምዘሎ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ጠቒሱ።

ክፍሊ ምክልኻል ዘራእቲ ኢትዮጵያ፣ ንማዕከናት ዜና ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ኮለላ ካብ ዝተኻየደሉ 82 ሽሕ ሄክታር መሬት፣ ኣብቲ 32 ሽሕ ኣንበጣ ተራእዩ ኣሎ።

ኣብቲ ቦታታት፣ ሰፊሕ ዝርገሐ ዘለዎ ማይ ክዘንብ ትጽቢት ምስ ምህላዉ፣ እቲ ኩነታት ኣየር ንምርባሕ ናይ በረኻ ኣምበጣ፣ ሓጋዚ ስለዝኾነ ብዝበኣሰ ከየስፋሕፍሕ ይስጋእ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት ዘርእዮ ዘሎ ዛሕልታት፣ ብሓያሎ ወገናት እታ ሃገር ይንቐፍ ኣሎ።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ምስፍሕፋሕ ናይ በረኻ ኣምበጣ ክርአ ምዃኑ ውድብ መግቢን ሕርሻን ኣቐዲሙ መጠንቀቕታ ከቕርብ ጸኒሑ’ዩ።

እንተኾነ፣ ዛጊት ብብዝሒ ዘስፋሕፍሓሉ ሃገር እዚ ዞባ ኢትዮጵያ ጥራይ’ያ።

ናይ በረኻ ኣምበጣ፣ ብንፋስ እናተሓገዘ ኣብ ሰዕእት 150 ኪሎሜተር ክበርር ስለዝኽእል፣ ናብ ካልእ ክልላት ኢትዮጵያን ጎረባብቲ ሃገራትን ከየስፋሕፍሕ፣ ቅድመ ምድላዋትን ሓባራዊ ጻዕርታትን ከምዘድሊ ክኢላታት ሕርሻ ይመኽሩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0