ኵናት የመን ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍትሑ፣ ስዑዲ ዓረብን ሑቲን፣ ዘይቀጥታዊ ዝርርብ ጀሚሮም

Radio Erena: 15 November 2019

ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ኵናት ዝቕጽል ዘሎ ኩነታት የመን፣ ብሰለማዊ መንገዲ ዝፍትሓሉ ኣማራጺታት ንምንዳይ፣ ስዑዲ ዓረብን ሑቲን ዘይቀጥታዊ ዝርርብ ጀሚሮም።

እቲ ዘይቀጥታዊ ዝርርብ፣ ብመንጎኝነት ዖማን ይካየድ ከምዘሎ ሰበ ስልጣን ክልትኢም ወገናት ንኣሶሸትድ ፕረስ ኣረጋጊጾም።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ኤርትራ እትርከበን 31 ሃገራት ብልፍንቲ ኣኽቲተን፣ ኣብ የመን ኵናት ካብ ዝእውጃ ሓሙሽተ ዓመታት እኳ እንተቑጸረ፣ ንኩነታት የመን ብወትሃደራዊ ሓይሊ ክፈትሕ ከምዘይክኣለ ፖለቲከኛታት የረድኡ።

እቲ ኵናት፣ ህይወት ኣሽሓት የመናውያን ከህልቕ እንከሎ፣ ሚልዮናት ድማ ካብ መነባብርኦም ኣመዛቢሉ’ዩ።

ብወገን ስዑዲ ዓረብ፣ 10ታት ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኣጽዋር ክባኽን እንከሎ፣ ኣብ ሰራዊት እታ ሃገር ከቢድ ሞራላዊ ውድቀት ከምዘስዓበ ወትሃደራውያን ተንተንቲ የረድኡ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ነዚ ብኵናት ክትዕወተሉ ዘይክኣለት ኵናት የመን፣ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት መሻርኽቲ ወገናትን ንምፍትሑ’ያ ጻዕርታት ተካይድ ዘላ።

ሑቲ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ዘፍሪ ከባቢታት ስዑዲ፣ ብሰብ ኣልቦ በረርቲ ዝተሰነየ ናይ ሚሳይል ደብዳብ ምክያዱ ኣይርሳዕን።

ብዘይካ’ዚ ኣብቲ ወርሒ’ቲ፣ ኣብ ልዕሊ ቃፍላይ ሰራዊት ስዑዲ ዓረብ ብዘካየዶ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ፣ ኣማኢት ክቐትል እንከሎ ኣማኢት ድማ ከምዝማረኸ ምግላጹ ይዝከር።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0