ኢትዮጵያ፣ ከምቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝገለጾ 6.1% ዕብየት ቁጠባ ዘይኮነ 1.9% ጥራይ ከምእተመዝግብ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ገሊጹ

Radio Erena: 27 October 2020

ቁጠባዊ ዕብየት ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ካብቲ ቅድሚ ኮረና ቫይረስ ተገሚቱ ዝነበረ ብማእከላይ ገምጋም ብ3% ከንቖልቕል ከምዝኽእል ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ገሊጹ።

እቲ ኣህጉራዊ ፊናንስያዊ ትካል ብ22 ጥቅምቲ ኣብ ዘካየዶ ጸብጻብ፣ ዕብየት ቁጠባ ዓለምና፣ ተገቲኡ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ኣብ ገሊኤን ሃገራት ግና ናብ ኣሉታ ክወርድ ምዃኑ’ዩ ኣመልኪቱ።

ኣብ ፊስካላዊ ዓመተ 2021/2022፣ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከብ ሃገራት፣ እተን ብዝያዳ በዚ ምንቑልቛል ዝጽለዋ ሃገራት’የን።

ብሰንኩ ድማ እዘን ሃገራት፣ ኣስታት 290 ቢልዮን ዶላር፣ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ ከጋጥመን ከምዝኽእል ተመልኪቱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ቅድሚ ክልተ ቅነ፣ ንወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ቁጠባ ኢትዮጵያ ናይ 6.1% ዕብየት ከምዘመዝግብ ገሊጹ’ዩ።

ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ብዘቀመጦ መለኪታት ግና፣ ዕብየት ቁጠባ ኢትዮጵያ ካብ 1.9% ከምዘይሓልፍ ኣረጋጊጹ።

ሓንቲ ካብተን ድኻታት ሃገራት ዓለም ዝኮነት ኤርትራ፣ ትካላዊ ፊንንስያዊ ኣሰራርሓ ስለዘይብላ፣ እኹል ሰነድን ሓበሬታን ክርከብ ብዘይምኽኣሉ፣ ዕብየት ይኹን ምንቑልቛሉ ቁጠባኣ ክግለጽ ኣስማዕን’ዩ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0