ኣብ ጂሮ ዲ ኢጣልያ ክሳተፍ ዝቐነየ ኣማኑኤል ገብረግዚኣብሄር፣ ንኤርትራ 8 ነጥቢ ኣብ ዩ.ሲ.ኣይ ኣመዝጊቡላ

Radio Erena: 27 October 2020

ንደቡባ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኒፖን ቴሌግራፍ ኤንድ ቴሌኮም (NTT) ወኪሉ ኣብ መበል 103 ጂሮ ዲ ኢጣልያ ክሳተፍ ዝቐነየ ኤርትራዊ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር፡ ንኤርትራ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ማለት UCI 8 ነጥቢ ኣመዝጊቡላ።

ኣማኑኤል፣ ኣብ መበል 17 መድረኽ ምስ ካልኦት ተቐዳደምቲ ሃዲሙ ብምውዓል፡ ብርቱዕ ርብርብ ኣብ ርእሲ ምክያዱ፡ ንቅድድሙ መበል 9ይ ኮይኑ ድሕሪ ምዝዛም’ዩ ነዚ ነጥቢ ንሃገሩ ኤርትራ ከመዝግበላ ክኢሉ ።

ንሱ፣ ኣብዚ ካብ 3 ክሳብ 25 ጥቅምቲ ክካየድ ዝቐነየ ናይ ግራንድ ቱር ውድድር፣ ጋንትኡ NTT ሻድሻይ ደረጃ ሒዛ ንኽትወጻእ ዝልዓለ ኣበርክቶ ካብ ዝገበሩ’ዩ ኣባላት’ዩ።

ኣብ ሻብዓይ መድረኽ ናይዚ ውድድር ወዲቑ ብዝወረዶ ማህሰይቲ፡ ቐጻልነቱ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ ዝነበረ ኣማኑኤል፡ መጉዳእቱ ብግቡእ ከይሓውየ፡ ንውድድሩ ብምቕጻል፡ ነዚ ጂሮ 54 ደረጃ ሒዙ’ዩ ፈጺምዎ።

ጋንትኡ NTT ድና ንዝገበሮ ጻዕርን ኣበርክቶን ኣብ ወግዓዊ ናይ ትዊተር ሕሳባ ሞጊሳቶ።

ኣብ ካልእ ናይ ኤርትራውያን ተሳትፎ ድማ፣ ኣብ መበል 75 ውድድር ግራንድ ቱር ቮልታ ቺክሊስታ ስጵኛ፣ ነንኽለቦም ወኪላም ካብ ዝተረኽቡ ክልተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፣ ንካዛኪስታናዊት ክለብ ኣስታና፡ ወኪሉ ኣብ ምስታፍ ዝርከብ ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ፡ መበል 66 ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ክቕጽል እንከሎ፣ ብኮሮና ቫይረስ ንዝተለኽፈ ወዲ ጋንትኡ ተኪኡ፡ ብዘይእኹል ምዳላዋት ናብ’ዚ ውድድር ግራንድ ቱር ዝኣተወ፡ ኣባል ፈረንሳዊት ክለብ ኮፊዲስ፡ ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ ግና፣ ካብ ሻዱሻይ መድረኽ ኣትሒዙ፡ ካብ’ዚ ቅድድም ክእለ ተገዲዱ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0