ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ሶማልን ተወሳኺ ከቢድ ደርቂ ከምዝተኸስተ ተገሊጹ

Radio Erena: 27 January 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ንጥሜት ተቓሊዑ ዘሎ ሚልዮናት ህዝቢ፣ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ሶማልን’ውን ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ብደርቂ ተጠቒዖም ከምዘለው ተገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስርተር ኢትዮጵያ፣ ከብቲን ጤለበጊዕን ብጥሜት ናብ ዝረግፋሉ፣ ኣሽሓት ሰባት ድማ ኣብ ድርኵኺት ሞት በጺሖምሉ ናብ ዝርከብ ከባቢታት ክልል ሶማል ዑደት ከምዘካየደ ዝገለጻ ማዕከናት ዜና መንግስቲ፣ ኣብ ክልል ኦሮምያ ድማ ኣማኢት ኣሽሓት ተመሳሳሊ ሓደጋ ኣንጸላልዩዎ ከምዘሎ ኣፍሊጠን።

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኦሮምያ፣ ኣብ ዝርከባ ሸሞንተ ዞባታት፣ ብድምር ልዕሊ 800 ሽሕ ህዝቢ፣ ተጸባይ ህጹጽ ረዲኤት ኮይኑ ከምዘሎ ንሰበ ስልጣን እቲ ክልል ብምጥቃስ እተን ማዕከናት ዜና ኣረጋጊጸን።

ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ደርቂ ኣብ ዝተኸስተሉ ከባቢታት እታ ሃገር፣ ከም ሸሮኽ ዝኣመሰለ ውጽኣትን ካልእ ተላጋቢ ሕማማትን ከይላበድ ስግኣት ከምዘለዎ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣጠንቂቑ።

ኣብ ኵናት ተሸሚማ፣ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር እተባኽን ዘላ ኢትዮጵያ፣ ንደርቂን ዓጸቦን ተቓሊዑ ዘሎ ህዝባ ህጹጽ ረዲኤት ንኽረክብ፣ ሓገዝ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ትሓትት ኣላ።

ኣተኵሮኡ ኣብ ኵናት ትግራይ ኣንቢሩ ዘሎ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ብወገኑ፣ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ ብሰንኪ ከበባ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሰዓበ ምዃኑ ይወቅስ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ እዋን ስርዓታት ሃይለስላሴን ደርግን፣ ህዝባ ብጥሜት እናረገፈ፣ ኩሉ ዓቕማ ኣብ ኵናት ተጸሚዱ ምንባሩ ሕሉፍ ታሪኻ ይምስክር።
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0