ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፣ ናብ ትግራይ መድሃኒታት ብነፋሪት ከምዘብጽሐ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 27 January 2022

ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፣ ናብ ትግራይ መድሃኒታት ብነፋሪት ከብጽሕ ከምዝኸኣለ ብ26 ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ናይ ግብረ ሰናይ ትካል፣ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብዚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፣ ንመጀመርያ እዋኑ፣ ናብ መቐለ መድሃኒት ከብጽሕ ምኽኣሉ፣ ዓቢ ሩፍታ ከምዝተሰምዖ ጠቒሱ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበገሰት ነፋሪት፣ መሰረታዊ መድሃኒታት ጽዒና፣ ብ26 ጥሪ ናብ መቐለ ከምዝዓረፈትን፣ ኣብ ኩለን ዞባታት ትግራይ ናብ ዝርከብ ትካላት ጥዕና ክከፋፈል ምዃኑ እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኣነጺሩ።

እቲ ተላኢኹ ዘሎ መድሃኒታት፣ ህይወት ኣሽሓት ሰባት ዘድሕን’ዩ ክብል ወኪል ቀይሕ መስቀል ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣፖሎ ባራሳ ገሊጹ።

ኣብ ዶብ ትግራይን ዓፈርን ብዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ ዝተመደበ ረዲኤት ዝጸዓና መካይን ተዓጊተን ከምዘለዋ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዪ ቀይሕ መስቀል፣ ብነፋሪት ህጹጽ መድሃኒትታ ከብጽሕ ክኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ናብ ዘተ ክቕርቡ ዝልዓለ ተኽእሎታት ምህላዉ ይዝረብ እኳ እንተሎ፣ ሓደ ካብ ኣውራ መሰሓሓቢ ነጥቢ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ምእታው ህጹጽ ረዲኤት ናብ ትግራይ ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ መፍትሒ ኣይረኸበን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0