ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ሶማልን ብዝተኸስተ ሕማም ኮሌራ፣ 20 ሰባት ምሟቶም ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ

Radio Erena: 01 December 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልላት ኦሮምያን ሶማልን ብዝተኸስተ ሕማም ኮሌራ፣ 20 ሰባት ከምዝሞቱ ሕቡራት ሃገራት ብ 28 ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ተላባዒ ናይ ውጽኣት ሕማም፣ ኣብ ክልል ኦሮምያ፣ ዞባ ባሌን ኣብ ዝርከባ ሰለስተ ከባቢታት፣ ኣብ ክልል ሶማል ድማ ኣብ ዞባ ሊበን ኣብ ሓደ ከባቢ ከምዝተኸስተ’ዩ እቲ ኣህጉራዊ ውድብ ኣመልኪቱ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብቲ ከባቢታት ልዕሊ 500 ሰባት በቲ ሕማም ተጠቂዖም ኣብ ማእከላት ሕክምና ይእለዩ ምህላዉ ኣፈኛ ሕቡራት ሃገራት፣ ስቴፋን ዱያሪች ገሊጹ።

ኣብቲ ክልላት ተኸሲቱ ምስ ዘሎ ደርቂ ተተሓሒዙ፣ ህዝቢ ጽሬቱ ዘይሓለወ ማይ ንመስተን መግቢን ክጥቀም ይግደድ ምስ ምህላዉ፣ ንተመሓላለፍቲ ሕማማት ከይቃላዕ ተሰጊኡ’ዩ ጸኒሑ።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ፣ ሓያሎ ሰባት ብሕማም ውጽኣት ተጠቒዖም ናብ ማእከላት ሕክምና ምስ ተወስዱ፣ ኣብቲ ዞባታት ኮሌራ ተላቢዑ ከይከውን ብዝተኻየደ ፍተሻ’ዩ ህላዌ እቲ ሕማም ተረጋጊጹ።

መንስግቲ ኢትዮጵያ ምስ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ብምሽራኽ፣ ነቲ ሕማም ናብ ዝበዝሐ ከባቢታት ከይላባዕ ንምግታእ ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ይርከቡ።

ኮሌራ፣ ጽሬቱ ዘይሓለወ ኣከባቢ፣ ብፍላይ ዓይኒ ምድሪ ብምጥቃም፣ ረሳሕ ማይ ብምስታይን በቲ ሕማም ምስ ዝተጠቅዐ ሰብ ብዝህሉ ምትንኻፍን ዝመሓላለፍ፣ ውጽኣት ብምስዓብ ዝቐትል ተላባዒ ሕማም’ዩ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0