ሰራዊት ጂቡቲን ፈረንሳን፣ ኣብ ዳህሳስን ስለያን ዘተኮረ ሓባራዊ ልምምድ ኣካይዶም

Radio Erena: 01 December 2022

ሰራዊት ጂቡቲን ፈረንሳ፣ ኣብ ዳህሳስ፣ ኮለላን ስለያን ዘተኮረ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣካይዶም።

እቲ ልዕሊ 450፣ ኣጋራ ሰራዊት ክልትኤን ሃገራት ዝተሳተፍዎ ልምምድ፣ ኣብ ሓለዋ፣ መጽናዕቲ ቅርጺ መሬት፣ ምልላይ ባእታታት ጻላኢን ካልእን ዘተኮረ ስርሒታት ‘ውን ከምዝነበሮ ሚኒስተሪ ምክልኻል ፈረንሳ ኣፍሊጡ።

እቲ ልምምድ፣ ካብ 9 ክሳብ 17 ሕዳር፣ ንሓደ ሰሙን ኣብ በረኻታት ጂቡቲ’ዩ ተኻይዱ።

ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ ናይ ልፍንቲ ሰራዊት፣ ንስርሒት ኣብ ዝኸዶ ከባቢታት ኣብ ዝርከብ ቁሸትትታት፣ ማእቶት ምክያዱ እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ሰራዊት ጂቡቲ፣ ኣብዝ ሓለፈ ወርሒ ኣብ ልዕሊ ሓይልታቱ መጥቅዕቲ ዝፍጸሙ’ዮም ዝበለዎም ዕጡቓት ‘ፍሩድ’ ዝተባህለ ጉጅለ ኣብ ምህዳን ከምዝርከብ ይፍለጥ።

ኣብታ ሃገር ዓስኪሩ ዝርከብ ሰራዊት ፈረንሳ’ውን ምስ ሓይልታት ጂቡቲ ዘካየዶ ልምምድ፣ ኣብዚ ስርሒት እዚ ዘተኮረ ምዃኑ ወትሃደራውያን ተንተንቲ የረድኡ።

ፈረንሳ፣ ኣብ ጂቡቲ ብቐዋምነት ዝዓስከረ ኣስታት 1500 ሰራዊት ኣለዋ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0