ኢትዮጵያ፣ ኣብ ወልድያ ብዝተወልዐ ግጭት ብውሕዱ ሸውዓተ ሰባት ተቐቲሎም

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ወልድያ ብዝተወልዐ ግጭት ብውሕዱ ሸውዓተ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 22 January 2018

Woldiaኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ፣ ዞባ ወሎን ኣብ እትርከብ ከተማ ወልድያ ኣብ መንጎ ጥምቀት ዘብዕል ዝነበረ ህዝብን ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ብዝተኻየደ ግጭት ብውሕዱ 7 ሰባት ተቐቲሎም።

ኣብቲ ብዓርቢ 19 ጥሪ ዝተወልዐ ግጭት፣ ሓያሎ ካልኦት ክቖስሉ እንከለዉ ብርክት ዝበለ ንብረት ከምዝተቓጸለ ንናይ ዓይኒ መሰኻክር ብምጥቃስ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ህዝቢ ከተማ ወልድያ፣ ኣብ እዋን በዓል ጥምቀት ናዕብን ዕግርግርን ከይውላዕ ካብ ምስጋእ ዝተዋፈሩ ሓይልታት ጸጥታ ብኣእማንን ካልእ ነገራትን ከሳጉጎም ድሕሪ ምጅማሩ እቲ ግጭት ከምዝተወልዐ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብቲ ግጭት ካብ ዝተቐትሉ ሸውዓተ ሰባት እቲ ሓደ ኣባል ፖሊስ ክኸውን እንከሎ ክልተ ፖሊስን ብጽኑዕ ቆሲሎም ከምዘለው ኣዘዝቲ ፖሊስ እቶ ዞባ የመልክቱ።

ኣብታ ከተማ ተደጋጋሚ እዋን ናዕብን ዕግርግርን ከምዝተኻየደ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ፣ ኣቐዲሙ ኣብ ማእሰርቲ ንዝነጽሑ ተሳተፊ ናዕቢ ከምዝፈትሖም ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ክልላት ጸጸኒሑ ዝነቱግ ዘሎ ናዕብን ናይ ብሄራት ግጭታትን ኣብ ኣተሓሳሳቢ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ መንግስቲ እታ ሃገር ይእመን።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0