ግብጽን ደቡብ ሱዳንን ናይ ምትሕግጋዝ ውዕላት ከቲመን

ግብጽን ደቡብ ሱዳንን ናይ ምትሕግጋዝ ውዕላት ከቲመን

Radio Erena: 22 January 2018

Egypt South Sudan

ግብጽን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ሓያሎ ጽላታት ዘተኮረ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ ከምዝኸተማ ማዕከናት ዜና ካብ ካይሮ ሓቢረን።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ስምምዕ፣ ብምክትል ከንቲባ ከተማ ጁባ ፍራንሲስ ሚካኤልን ሓያሎ ሚኒስተራትን ዝተወከለ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ናብ ግብጺ ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲን ካልኦት ሰበ ስልጣንን እታ ሃገር ኣብ ዝተዘራረብሉ እዋን’ዩ።

ልኡኽ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ናይ ግብጺ ዑደቱ ብፍላይ ምስ ሚኒስተሪታት ምክልኻል፣ ጥዕናን ንግድን ብምርኻብ ኣብዚ መዳያት እዚ ክህሉ ዝኽእል ናይ መትሕግጋዝ መደባት ብሰፊሑ ተመያይጡ።

እቲ ልኡኽ ኣብቲ ብ18 ጥሪ ዘካያዶ ዑደት፣ ልኡኽ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ደቡብ ሱዳን ተመሳሳሊ ምብጻሕ ክፍጽም ዕድመ ከምዘቅረበሉ ተሓቢሩ።

ምስ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ምስሕሓብ እትርከብ ግብጺ፣ ምስ ጎረባብተን ጥቡቕ ዝምድና ብምፍጣር ኣብ ልዕሊኤን ጸቕጢ ንምግባር ትሰርሕ ከምዘላ ተንተንቲ ዘረድኡ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0