ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሰሜን ኣብ ዝተኻየደ ኵናት፣ 28 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ዕንወትን ክሳራን ከምዘስዓበላ ገሊጻ

Radio Erena: 23 May 2023

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ካብ ሕዳር 2020 ክሳብ ሕዳር 2022፣ ንክልተ ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ናይ 28 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ዕንወትን ቁጠባዊ ክሳራን ከምዘስዓበ፣ ሚኒስተር ገንዘብን ፋይናንስን እታ ሃገር፣ ኣቶ ኣሕመድ ሽዴ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስተር ነዚ ዝገለጸ፣ ብዛዕባ’ቲ ኵናት ዘውረዶን ዕንወትን ንምሕዋዩ ኣብ ዘሎ ተኽእሎታትን ብዝምልከት ንዝተኻየደ መጽናዕቲ ብምጥቃስ፣ ብ17 ግንቦት ንወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ምዃኑ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ሓቢራ።

እቲ ኵናት ናይ 22 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ዕንወት ከውርድ እንከሎ፣ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ድማ ናይ ኣስታት 6 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ክሳራ ከምዘስዓበ’ዩ ሚኒስተር ኣሕመድ ሽዴ ኣመልኪቱ።

ብሰንኪ’ቲ ኵናት ወሪዱ ዘሎ ዕንወትን ክሳራን፣ ኣስታት 26% ሓፈሻዊ ጃምላዊ እቶት እታ ሃገር ከምዝሽፍን’ዩ ተገሊጹ።

እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ፣ እቲ ኵናት ብተወሳኺ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ዝነበር ህዝቢ፣ ብውሕዱ ንሓደ ካብ ሰለስተ (1/3) ብቀጥታ ክጽሉ እንከሎ፣ ኣስታት 3 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ድማ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ድኽነት ከምዘንቆልቆለ ኣተሓሳሲቡ።

እንተኾነ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ብኵናት ንዝወረደድ ዕንወትን ክሳራን፣ ንዳግመ ሕውየት ዝኸውን ዝተሰልዐ ባጀት ኣስታት 2.3 ቢልዮን ጥራይ’ዩ።

ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ዓለም ዝኾነት ኢትዮጵያ፣ ኣስታት 30 ቢልዮን ዶላር ናይ ወጻኢ ዕዳ ክህልዋ እንከሎ፣ ብሰንኪ ብኵናት ንዝወረደ ዕንወትን ዝሰዓበ ናይ ናይ ቁጠባ ክሳራን ንምሕዋይ፣ እንደገና ካብ ባንክ ዓለም፣ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፣ ኣመሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦትን ተወሳኺ ልቃሕን ሓገዝን ኣብ ምሕታት ትርከብ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0