ህንዲ፣ ምስ ፓኪስታን ኣብ ዘሰሓሕባ ዞባ ካሽሚር ዝወደበቶ ዋዕላ ጉጅለ 20 ሃገራት ተቓውሞ ገጢውሞ

Radio Erena: 23 May 2023

ህንዲ፣ ኣብቲ ምስ ፓኪስታን ዘሰሓሕባ ዞባ ካሽምር፣ ዋዕላ ጉጅለ 20 ሃገራት ክካየድ ምውዳባ፣ ቻይናን ስዑዲ ዓረብን ካብ ዝርከብአን ሃገራት ተቓውሞ ገጢሙዋ።

እቲ ካብ 22 ክሳብ 24 ግንቦት ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ፣ ብቀንዱ፣ ናይ ኵናት ዞባ ዝነበረ ካሽሚር፣ ኣብ ርግኣትን ጸጥታን ከምዘሎን፣ ንቱሪዝም ንምትብባዕን ዝዓለመ ምዃኑ’ዩ ህንዲ ገሊጻ።

እንተኾነ፣ ዞባ ካሽሚር ዛጊት ዋንነቱ ኣካራኻሪ ብምዃኑ፣ ‘ህንዲ፣ ኣብዚ ዞባ ንዘካየደቶ ዋዕላ ምስታፍ፣ ዋንነታ ምዃኑ ዘረጋግጸላ’ዩ’ ክብላ’የን ሓያሎ ሃገራት ዝቓወምኦ ዘለዋ።

ኣከራኻሪ ኣብ ዝኾነ ዞባ ዝካየድ ዋዕላ ከምዘይትሳተፍ ቻይና ብኣግኡ’ያ ኣፍሊጣ።

ስዑዲ ዓረብ ብወገና፣ ነቲ ህንዲ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ብትሪ ብምኹናን ወግዓዊ ተቓውሞኣ ገሊጻ።

ፓኪስታን ድማ ህንዲ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ዘይሓላፍነታዊ’ዩ ክትብል ኣጠንቂቓ።

ግዝኣት ብሪጣንያ ዝነበራ፣ ህንዲን ፓኪስታንን፣ ጽባሕ ናጽነት፣ ኣብ 1947 ኣብ ክልተ ድሕሪ ምኽፋለን፣ ክልቲኤን ሃገራት፣ ብዋንነት እቲ ዝበዝሑ ኣመንቲ ምስልምና ዝርከብዎ ዞባ ካሽሚር ናብ ረጽሚ’የን ኣምሪሐን።

ካብቲ እዋን’ቲ ኣትሒዙ ድማ፣ ሳሒቲ ናብ ረጽሚ ዝዓርገሉ ተርእዮታት ሓዲግካ፣ ዝበዝሐ ክፋል ዞባ ካሽሚር፣ ብግዝያዊ ስምምዓት፣ ኣብ ትሕቲ ህንዲ’ዩ ዝመሓደር ዘሎ።

ይኹን’ምበር ህንዲ፣ ድላያ ክትገብረሉ ዘኽእል ምሉእ ዋንነት እቲ ዞባ ከምዘይብላን፣ ልኣላዊ ኣካላ ከምዘይኮነን ፓኪስታን ትገልጽ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0