ኢትዮጵያ፣ ኣብ መዝገብ ‘ብኵናት ዝሕመሳ ዘለዋ ሃገራት’ ሰፊራ

Radio Erena: 02 November 2021

ኢትዮጵያ፣ ብኵናት ካብ ዝሕመሳ ዘለዋ ሃገራት ዓለም ምስተን ቀዳሞት ካብ እትስራዕ ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ገሊጹ።

እታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ማዕረ ዒራቕ፣ የመን፡ ሶርያን ኣፍጋኒስታንን ብኵናት እትሕመስ ኣላ ክብል’ዩ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ጠቒሱ።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣገልግሎታትን ረዲኤትን ክህብ ዝጸንሐ ቀይሕ መስቀል፣ ኣብታ ሃገር ብ45 ሰራሕተኛታት ዓመታዊ 12 ሚልዮን ጥራይ የድልዮ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ዘሎ ኵናት ናብ ብዝሒ ሰራሕተኛታቱ ናብ ልዕሊ 500፣ ዘድልዮ ዓመታዊ ባጀት ድማናብ 85 ሚልዮን ከምዝዓረገ፣ ኣብታ ሃገር ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ናይቲ ማሕበር፣ ፒተር ማውረር ን ሪፖርተር ገሊጹ።

4 ሕዳር ዓመቱ ዝመልእ ኵናት ትግራይ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን ልሒሙ፣ ንኢትዮጵያ ኣብ ‘ምሉእ ኵናት’ ሸሚሙዋ ይርከብ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሓይልታት ትግራይ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝጀመርዎ መጥቃዕታት ብምቕጻል ልዕሊ 600 ሽሕ ነባሪ ንዘለዋ ከተማ ደሴን ኮምቦልቻን ተቖጻጺሮም ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ግንባር ደሴ ጸዖኣዱን ጸለምትን ወጻእተኛታት ምስ ህወሓት ተሰሊፎም መስዋእቲ ከፊሎም ክብል ንዝወረዶ ስዕረት ምኽንያት ክህበሉ ተሰሚዑ፡

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ብወገኑ፣ ኩሉ ዓቕሚ ዘለዎ ነባሪ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ፣ ብሓይልታት ትግራይ ንዝተታሕዘ ከባቢታት ንምምላስ፣ ዘዘለዎ ዕጥቂ ሒዙ ክኸትት ኣዋጅ ኣመሓላሊፉ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0