ርዋንዳ፣ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ብግዝያውነት ንምቕባል ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን UNHCRን ተወሳኺ ስምምዕ ከቲማ

Radio Erena: 02 November 2021

ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዘለዉ፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን፣ ብግዝያውነት ናብ ርዋንዳ ንምግዓዞም ተወሳኺ ስምምዕ ተኸቲሙ።

እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ርዋንዳ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን UNHCRን ዝተኸተመ ስምምዕ፣ ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ መስከረም 2019 ዝተበጽሐ፣ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ግዝያዊ መጽንሒ ጋሾራ ናይ ምስግጋር መስርሕ ዘናውሕ’ዩ።

እቲ ስምምዕ ክሳብ ታሕሳስ 2023 ዝቕጽል ኮይኑ፣ ኣብ ርዋንዳ፣ ከባቢ ከተማ ኪጋሊ ዝርከብ፣ ግዝያዊ መጽንሒ ስደተኛታት ጋሾራ ድማ ኣብ ሓደ እዋን ዝሕዞ ብዝሒ ስደተኛታት ካብ 500 ናብ 700 ከዕብ’ዩ።

UNHCR፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ተለልዮም፣ ናብ ካልኦት ሃገራት ክሳብ ዝጣየሱ፣ ኣብዚ ግዝያዊ መዓስከር ክጸንሑ መስርሕ ጀሚሩ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ካብ ሊብያ ናብ መዓስከር ጋሾራ ካብ ዝተሰጋገሩ፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝኾኑ ኣስታት 648 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን፣ እቶም ዝበዝሑ በብእዋኑ ናብ ሽወደን፣ ጀርመን፣ ፈረንሳን ነርወይን ከምዝተጣየሱ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ዜጋታት ዝተፈላለይ ሃገራት ዝኾኑ 214 ስደተኛታት ኣብ ግዝያዊ መጽንሒ ጋሾራ ከምዘለዉ ጸብጻብ UNHCR ይሕብር።

በዚ ተበጺሑ ዘሎ ተወሳኺ ስምምዕ፣ ነፍሰ ጾራት ኣዴታታ፣ ኣላይ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ናይ ጥዕናን ካልእ ከበድቲ ጸገማትን ዘለዎም ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ቀዳምነት፣ ናብ ርዋንዳ ናይ ምስግጋር ቀዳምነት ክወሃቦም ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኣሽሓት ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቦ ኮይኖም፣ ድሕነቶም ክሕሎ ዝጠልብ ሰለማዊ ሰልፊታት ኣብ ሓያሎ ሃገራት ይካየድ ከምዘሎ ይፍለጥ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0