ኢትዮጵያ፣ ንተደጋጋሚ እዋን ክሰጋገር ዝጸንሐ ምርጫ፣ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ ከምዘይካየድ ተሓቢሩ

Radio Erena: 15 June 2021

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብተደጋጋሚ እዋን ክሰጋገር ዝጸንሐ ምርጫ፣ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት እታ ሃገር፣ ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ፣ ኣብ 21 ሰነ ከምዘይካየድ ቦርድ ምርጫ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ቦርድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መበል ሻዱሻይ ምርጫ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልተ እዋናት ክካየድ ከምዝተወሰነ ብምጥቃስ፣ ኣብ ክልላት ዓፈር፣ ሶማል፣ ኣምሓራ፣ ደቡብን ጋምቤላን ኣብ ዝርከብ ናይ ምርጫ ነቒጣታት፣ ብሰንኪ ናይ ጸጥታን ስግኣትን ናይ መድመጺ ወረቓቕቲ ሕትመት ጌጋን፣ ክሳብ ወርሒ መስከረም ከምዝተሰጋገረ ኣፍሊጡ።

ብፍላይ ኣብ መላእ ክልላት ሃረርን ሶማልን፣ እቲ ምርጫ ኣብ 21 ሰነ ከምዘይካየድ ዘመልከተ እቲ ቦርድ፣ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ክልተ ክፋላት ክካየድ ዘይንቡር እኳ እንተኾነ፣ ክግበር ከምዝከኣል መራሒት ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፣ ብርቱኳን ሚደቕሳ ገሊጻ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብዘይካ’ዘን ኣቐዲመ ዝተጠቕሳ ክልላት፣ ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ፣ ዞባ መተከል፣ ሓያሎ ዞባታት ክልል ኦሮሞ፣ ደቡብን’ውን ምርጫ ከምዘይካየድ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ናይ ብሄር ግጭታትን ምትፍናን ኣብ ኵናት ትግራይን ተሸሚማ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ዝመጽእ ሰሙን እተካይዶ ቀዳማይ ክፋል ምርጫ፣ ተኣማንን ርትዓውን ከምዘይከውን ዝተፈላለዩ ወገናት ብኣግኡ ይነቕፉ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0