ኬንያ፣ ደው ኣቢላቶ ዝጸንሐት፣ ካብን ናብን ሶማል ዝካየድ ናይ ነፈርቲ መጓዓዝያ ክቕጽል ወሲና

Radio Erena: 15 June 2021

ኬንያ፣ ካብ 11 ግንቦት ኣትሒዛ፣ ደው ኣቢላቶ ዝጸንሐት፣ ካብን ናብን ሶማል ዝካየድ ናይ ነፈርቲ መጓዓዝያ፣ ከምዘልዓለቶ ኣፍሊጣ።

ኬንያ፣ ኣብቲ ጉዳይ ድሕሪ ምምካር፣ ምእንቲ ረብሓታት ክልቲኡ ህዝብታት ክትብል፣ ከም መርኣያ ጽቡቕ ድሌት፣ ካብን ናብን ሶማል ንዝጓዓዛ ነፈርቲ ዓጽያቶ ዝጸንሐት ክሊ ኣየራ ክትከፍት ከምዝወሰነት፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ገሊጹ።

መንግስቲ ሶማል ብወገኑ፣ ኬንያ ዝወሰደቶ እወታዊ ተበግሶ፣ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ንምምሕያሽ ባይታ ዘጣጥሕ’ዩ ኢሉ።

ኬንያ፣ ኣብ ሞቛድሾ ዝርከብ ኤምባሲኣ ዳግም ክትከፍት ድማ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማል ተማሕጺኑ።

ክልቲኤን ሃገራት፣ ብዋንነት ክሊ ማይን ኣልሸባብ ብዝተፈጥረ ጸጥታዊ ጉዳያትን ክሰሓሓባ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ዝምድንአን፣ ምርጫ ሶማል ኣብ ዝቓረበሉ ዝነበረ እዋን፣ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2020፣ ምሉእ ብምሉእ በቲኸን።

ኬንያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጣልቃ ብምእታው፣ ተቓወሚ ፕረዚደንት ፋርማጆ ንዝኾነ፣ መራሒ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ፣ ትድግፍ ኣላ ክብል’ዩ መንግስቲ ሶማል ክወቕስ ጸኒሑ’ዩ።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0