ኢትዮጵያ፣ ንሱዳን ክትሸጠላ ዝጸንሐት ጸዓት ደው ኣቢላ

ኢትዮጵያ ኣጋጢሙዋ ንዘሎ ሕጽረት ሓይሊ ኤለክትሪክ ንምሽፋን፣ ንሱዳን ክትሸጠላ ዝጸንሐት ጸዓት ደው ከምዘበለቶ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ገሊጹ።

እታ ሃገር ነዚ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ናይ 460 ሜጋዋት ሕጽረት ኤለክትሪክ ንምምካት፣ ንጂቡቲ ክትሸጠላ ዝጸንሐት ጸዓት እውን ብፍርቂ ከተጉድሎ ሙዃና ተሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዓርቢ 17 ግንቦት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብታ ሃገር ንህዝቢ ዝዝርጋሕ ጸዓት ኤለክትሪክ እውን ብመቑነን ክዕደል ሙዃኑ ኣፍሊጡ። በዓል መዚ ሃብቲ ማይን ኤለክትሪክን’ታ ሃገር ኣብ መግለጺኡ፣ እቲ ካብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ዝጅመር መቑነን ንክልተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ግዚያዊ ከምዝኾነ ድሕሪ ምሕባር፣ ነፍሲ ወከፍ ተጠቃሚ በብመደብ ተኸፋፊሉ መዓልታዊ ንሓሙሽተ ሰዓት ጥራይ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ክረክብ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

እዚ ንኢትዮጵያ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ዋሕዲ ጸዓት ኤለክትሪክ ብሰንኪ ሃይድሮ ኤለክትሪክ ዘመንጭዋ ዲጋታት እኹል ማይ ዘይምዕቋረን ሙዃኑ ሰበስልጣን መንግስቲ የመልክቱ።

ኣብ ኣፍሪቃ ብዕቤቱ ኣብ ቀዳማ ደረጃ ዝስራዕ ሓጽቢ እትሃንጽ ዘላ ኢትዮጵያ፣ እቲ ንውሽጣዊ ሃልኪ ተሪፉ ንጎረባብቲ ሃገራት ክዕንግል ትጽቢት ዝተገብረሉ መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክ፣ ብሰንኪ ብልሽውናን ካልእ ተክኒካዊ ጸገማትን ብተደጋጋሚ እዋን ክጅምርን ክቋረጽን እዩ ጸኒሑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0