ኢትዮጵያ፣ ነፋሪት ኲናት ወዲቓ ብምሕምሻሻ፣ ክልተ ፓይለት ሞይቶም

Radio Erena: 13 October 2019

ዋንነት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ናይ ውግእ ነፋሪት ወዲቓ ብምሕምሻሻ፣ ክልተ ኣብረርታ ከምዝሞቱ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ዘ ሪፖርተር ካብታ ሃገር ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና፣ እታ ሱኾይ ኤስ.ዩ. 27 ዝዓይነታ ነፋሪት ውግእ፣ ብዕለት 11 ጥቅምቲ፣ ኣብ ደብረዘይት ካብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ተበገሰት፣ ብኡ ንብኡ ኣብ ሞተራ ባርዕ ስለዘጋጠማ ከምዝወደቐት ኣመልኪቱ።

እታ ስርሓት ሕብረት ሶቬት ዝኾነት ነፋሪት ውግእ፣ ኣብ 1998 ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ዝተዓደገት ኮይና፣ ኣብራሪኣ መጀር ሰብሪ ጦውፊቕ፣ ንታዕሊም ምስ ሓደ ካልእ ተመሃራት ፓይለት ክበሩ ኣብ ዝፈተኑሉ እያ ወዲቓ።

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ናይቲ ሓደጋ ሙሉእ መርመራ ክገብር ጀሚሩ’ሎ።

ኣብ 1940ታት ብሽወደናውያን፣ ቀጺሉ ከኣ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሕብረት ሶቬት ነበርን ከምዝቖመ ዝፍለጥ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ኣብ ነሓሰ 2018 እውን ኣብ ሓንቲ ካብ ነፈርቱ ብዘጋጠመ ሓደጋ፣ 19 ሰባት ከምዝሞቱ ኣይርሳዕን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0