ሱዳን፣ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ተናዊሑ

Radio Erena: 13 October 2019

ኣብ ሱዳን ጸኒዑ ዝጸንሐ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ንተወሳኺ ሰለስተ ኣዋርሕ ከምዝተናወሐ ተገሊጹ።

መሰጋገሪ መንግስቲ’ታ ሃገር ብ10 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቲ እዋን ህጹጽ ሓደጋ ኣብ ኩለን ግዝኣታት ሱዳን ከምዘለዎ ክጸንሕ ከምዝወሰነ ድሕሪ ምሕባር፣ እቲ ኣዋጅ ካብ ዕለት 11 ጥቅምቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኸውን ኣፍሊጡ።

ብመሰረት’ቲ እዋን ህጹጽ ሓደጋ፣ ቆንስል ሚኒስተራት’ቲ መንግስቲ፣ ደረት ኣልቦ ስልጣን ክውንን እንከሎ፣ ንተግባራውነት ቅዋም እውን ዝድርት እዩ።

ብተወሳኺ፣ ኣብ እዋን ስርዓት ኣልበሽር ሰበስልጣን ኔሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ውልቀሰባት፣ ብዘይ ክስን ፍርድን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከጸንሑ እዮም።

ሓደ ካብ ተቓወምቲ ውድባት ሱዳን ዝኾነ ህዝባዊ እስላማዊ ባይቶ፣ ምጽናዕ እቲ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን፣ ምስ ጠለብ ህዝባዊ ናዕቢ ህዝቢ ሱዳን ኣይቃዶን እዩ ብምባል ተቓውሞኡ ኣስሚዑ’ሎ።

ምንቅስቓስ ንፍትሕን ማዕርነትን እውን፣ ዝሓለፈ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ነቶም ሰበስልጣን ነበር ክሲ ንክምስረተሎም እኹል ግዜ’ዩ ኔሩ ድሕሪ ምባል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምጽንሖም ፍትሓዊ ኣይኮነን ኢሉ።

ከምዝፍለጥ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ሰበስልጣን ነበር ክሲ ንምምስራት ሓድሽ ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ መዚዙ እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0