ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን፣ ዲጋ ተሃድሶ ማይ ዘዕቝረሉ ኣገባብ ኣመልኪተን ዘካየድኦ ዘተ ብዘይፍረ ተበቲኑ

Radio Erena: 19 June 2020

ሚኒስተራት ሃብቲ ማይን ሕርሻን ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ኢትዮጵያ እትሃንጸሎ ዘላ ዲጋ ተሃድሶን ማይ ዘዕቁረሉ ኣገባብን ብዝምልክተ፣ ካብ 15 ክሳብ 17 ሰነ ዘካየድዎ ዘተ ብዘይፍረ ከምዝተበተነ ማዕከናት ዜና ግብጺ ሓቢረን።

እቲ ዘተ ብዘይፍረ ዝተበተነሉ ምኽንያት ብሰንኪ’ቲ ኢትዮጵያ ሒዛቶ ዘላ ነቓጽ መርገጺ ምዃኑ ንሚኒስተር ሃብቲ ማይን ሕርሻን ግብጺ መሓመድ ዓብደል ዓጢ ብምጥቅስ ኢጅፕት ቱደይ ገሊጹ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ርትዓዊ ኣጠቓቕማ ናይል ምስ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ስምምዕ ክትበጽሕ እንተዘይክኢላ፣ ግብጺ ካልእ ኣማራጺ ክትደሊ ምዃና’ውን እቲ ሚኒስተር ኣፍሊጡ።

ይኹን’ምበር እቲ “ካልእ ኣማራጺ” ዝበሎ ኣየነጸረን።

ሚኒስተር ሃብቲ ማይን ሕርሻን ሱዳን ያሲር ዓባስ ብወገኑ፣ ሰለስቲኤን ሃገራት ኣብ ዘካየድኦ ዘተ፣ ን95% ቴክኒካዊ መዳያት ናይቲ ማይ ዝዓቝረሉ ኣገባብ ከምዝተሰማምዕሉ’ዩ ዝጠቕስ።

ኢትዮጵያ ቅድሚ ኣዋርሕ ካብቲ ዘተ ድሕሪ ምስሓባ፣ ሰለስቲኤን ሃገራት ብመንገዲ ቪድዮ ኮንፈረንስ ናብ ርክብ ክምለሳ ንፈለማ እዋን’ዩ።

ኢትዮጵያ፣ ነቲ ካብ 2011 ኣትሒዛ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ፣ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ማይ ከተዕቑረሉ ከምእትጅምር ኣፍሊጣ ኣላ።

ግብጽን ሱዳንን፣ ኣብ ስሉሳዊ ስምምዕ ከይተበጽሐ ኢትዮጵያ በይናዊ ስጉምቲ ወሲዳ፣ ካብ ናይል ማይ ከተዕቑር ከምዘይፈቕዳ የጠንቅቓ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0