ፕረዚደንት ሶማል፣ ኩሎም መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራ ናብ ዘተ ክሳተፉ ዓዲሙ

Radio Erena: 19 June 2020

ፕረዚደንት ሶማል፣ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፣ ኩሎም መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት፣ ኣብ ሃገራዊ ዘተ ክሳተፉ ወግዓዊ ዕድመ ኣቕሪቡሎም።

እቲ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ጸጥታ ዘተኮረ ዋዕላ፣ ኣብ መወዳእታ 2020 ወይ መጀመርያ 2021 ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ሶማል ብምትኳር ከምዝዝቲ ማዕከናት ዜና ሶማል ሓቢረን።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ክነጽጎ ንዝጸንሐ መራሒ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ፣ ኣፍልጦ ብምሃብ ኣብዚ ዋዕላ ክሳተፍ ምዕዳሙ፣ ንጉዳይ ዕርቂን ሃገራዊ ሓድነትን ሶማል ዘለዎ ቅሩብነት ዘርኢ ምዃኑ ይትንተን ኣሎ።

ሶማል፣ ኩሎም መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት ዝሳተፍዎ ሃገራዊ ዘተ ክትውድብ ክጽውዓ ዝጸንሓ መሻርኽቲ ሃገራት ከምኡ ድማ ኣህጉራውያን ዞባውያንን ውድባት፣ እቲ ፕረዚደንት፣ ነዚ ተበግሶ ምውሳዱ ናእዳ የቕርባ ኣለዋ።

እቲ ዋዕላ ዝካየደሉ ዕለትን፣ መልሲ ናይቶም ዕድመ ዝቐረበሎም መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራትን ዛጊት ኣይተሓበረን።

ፕረዚደንት ሶማል፣ ኩሎም መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት ኣብ ሃገራዊ ዘተ ክሳተፉ ዕድመ ዘቕርብ ዘሎ፣ ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣብ ጂቡቲ ዘካየዶ ርክብ’ዩ።

ሶማል፣ ድሕሪ ውድቀት እቲ ን22 ዓመታት ብምልኪ ዝመርሐ ፕረዚደንት ስያድ ባረ ኣብ 1991፣ ናብ ሓያሎ ዞባታትን ርእሰ ምምሕዳራትን ተበታቲና፣ ዳግም ከም ሃገር ክትጥርነፍ ኣይከኣለትን።

እታ ሃገር፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 29 ዓመታት፣ ርጉእን ጸጥታ ከውሕስን ዝኽእል ማእከላይ መንግስቲ ብዘይምህላዋ፣ ከም ኣልሸባብ ዝኣመሰሉ ሽበራዊያን ጉጅለታት ንከስፋሕፍሑ ርሒብ ዕድል’ዩ ፈጢሩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0