ኢትዮጵያ፣ ምስ ዓሌታዊ ግጭት ብዝተሓሓዝ 409 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም

Radio Erena: 03 November 2019

ኣብ ኢትዮጵያ ምስቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ግርጭት ብዝተኣሳሰረ ልዕሊ 400 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ ተገሊጹ።

እቲ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ንምቅዋም ጀሚሩ ናብ ዓሌታዊ ግርጭት ዝኸደ ናዕቢ ህይወት 78 ሰባት ከምዝቐዘፈ ይፍለጥ።

ወሃብ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ናይቲ ግጭት መንቀሊን ተሳተፍቱን ገና ኣብ መርመራ እኳ እንተሎ፣ ዛጊት 409 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ ኣረጋጊጻ።

ኣብቲ ብዕለት 23 ጥቅምቲ ጀሚሩ ንሳልስቲ ዝቐጸለ ዓሌታዊ ግጭት ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ 67 ተባሂሉ ዝነበረ እውን ናብ 78 ክብ ኢሉ ከምዘሎ ብተወሳኺ ሓቢራ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓላፍነትን ድሕነትን ህዝቡ ንምሕላው ዝግብኦ ተራ ኣይተጻወተን ዝብል ክስታት ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ክቐርብ ዝጸንሐ ኮይኑ፣ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት እውን ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ንቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ጻውዒት ከምዘቕረቡ ይዝከር።

እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድኻም ከምዘይብሉ፣ ናዕብታት ዘካዪዱ ዘለዉ ከኣ ኣስማት ዘይብሎም ንሰላምን ምዕባለን ዘይተዳለዉ ጉጅለታት እዮም ብምባል ወሃብ ቃል’ቲ መንግስቲ ቢል ለኔ ስዮም ምላሽ ሂባ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0