‘’ኣብ የመን ልዕሊ 4 ሽሕ ሱዳናውያን ወተሃደራት ተቐቲሎም’’ ኣል ሑቲ

Radio Erena: 03 November 2019

ኲናት የመን ካብ ዝጅምር ልዕሊ 4 ሽሕ ሱዳናውያን ተቐቲሎም ከምዘለዉ፣ ኣል ሑቲ ገሊጹ።

ወሃብ ቃል ኣልሑቲ የሕያ ሳሪያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፍ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ፣ ነቶም መንግስቲ ሱዳን ዝለኣኾም ሱዳናውያን ዕሱባት ኣብ ቅድመ ግንባር የሰልፎም ብምህላዉ፣ ናይቲ ኲናት ቀዳሞት ግዳያት ይኾኑ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ እቶም ዝቖሰሉን ዝተማረኹን ሱዳናውያን ወተሃደራት ኣብ ግምት እንተኣትዮም እቲ ቁጽሪ ናብ ሸሞንተ ሽሕ ክብ ከምዝብል ሓቢሩ።

ህዝቢ ሱዳን ህዝባዊ ናዕቢ ብምክያድ መንግስቲ ዝቐየረ ሓይሊ ከምዘለዎ ስለዘመስከረ፣ ነዚ ሓድሽ መንግስቱ፣ ዜጋታቱ ካብ የመን ክስሕብ ጸቕጢ ክገብር ጸዊዑ።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ህይወት ዘህለቐን፣ ልዕሊ 20 ሚልዮን የመናውያን ካብ ቤት ንብረቶም ዘመዛበለን ኲናት የመን፣ ንምዕራፉ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝካየድ ጻዕሪ ክሳብ ሕጂ ፍረ ኣይተረኽቦን ዘሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0