ኢትዮጵያ፣ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ናብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ዝኣተወ ሰራዊትን ዕጡቓትን ግጭት ይቕጽል ኣሎ

Radio Erena: 08 May 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ ተፈጢሩ ብዘሎ ወጥሪ፣ ሕጊን ስርዓትን ንምኽባር ብዝብል፣ ናብቲ ክልል ኣብ መንጎ ዝኣተወ ሰራዊት ፈደራልን ዕጡቓት ኣምሓራን ግጭት ይቕጽል ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ግጭት ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ሰሜን ጎንደር፣ ሰሜን ወሎን ሰሜን ሸዋን ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ዓድታትን ቁሸታትን ይካየድ ከምዘሎ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉን ኣብ ንብረት ድማ ዕንወት ከምዝወረደን ኣገንዚቦም።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዝበጽሐ እኳ እንተረጋገጸ፣ ብዝርዝር ኣይጠቐሰን።

ብሰንኪ’ቲ ብከቢድ ብረት ተሰንዩ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ሰራዊት መንግስቲን ዕጡቓት ኣምሓራን፣ 10ታት ሽሓት ሰባት፣ ውሑስ’ዩ ናብ ዝበልዎ ከባቢታት ይሃድሙ ኣለዉ።

ራድዮ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ ብወገና፣ ነቲ ኣብ ከባቢ ጎንደር ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ንምህዳእ፣ ብዓበይቲ ዓዲ ዝተመርሐ ዘተ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ምክያዱ ኣፍሊጣ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ፍሉይ ሓይሊ ክልላትን ሚሊሻታትን ዕጥቖም ብምውራድ፣ ናብ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ንኽጽንበሩ ወይ ድማ ነናብ ዋኒኖም ክበታተኑ ንዘሕለፎ ኣዋጅ ብምውቅዋም፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተበገሰ ወጥሪ፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ከምዝሃድኣ ክሕበር’ዩ ጸኒሑ።

እንተኾነ፣ እቲ ወጥሪ ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ጎንደርን ሰሜን ሸዋን ፈኸም እናበለ ከም ሓድሽ ተጎሃሂሩ ይርከብ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነዚ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ኣብ ምጉህሃር ኣበርክቶ ኔርዎም ንዝበሎም ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን፣ ብሽበራ ኸሲሱ፣ ክሕዞም ንዝኽኣለ ኣብ ቀይዲ ከእትዎም እንከሎ፣ ክሕዞም ንዘይክኣለ ድማ ኣብ መዝገብ ተደለይቲ ኣስፊርዎም ይርከብ።

ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ ቅትለት ናይቲ ወኪል ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝኾነ ፖለቲከኛ፣ ኣብታ ክልል ከቢድ ጸጥታዊ ስግኣት ኣንጸላልዩ ኣሎ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0