ኣብ መንጎ ወተሃደራውያን ተቐናቐንቲ ሱዳን፤ ዘይቀጥታዊ ዘተ ተጀሚሩ

Radio Erena: 07 May 2023

ኣብ መንጎ ወተሃደራውያን ተቐናቐንቲ ሱዳን፤ ዘተ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ጀሚሩ።
እቲ ብቀዳም 6 ግንቦት ኣብ ከተማ ጀዳ ዝጀመረ ዘተ ኣብ መንጎ ወከልቲ ኣልቡርሃንን ሓምዳን ዳግሎን፤ ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝተማእከለ ምዃኑ፤ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣፍሊጦም።
ንክልቲኦም ወገናት ዝወከሉ ተዛተይቲ ብዓርቢ 5 ግንቦት ናብ ከተማ ጀዳ ከምዝኣተዉ ዝሓበራ ማዕከናት ዜና ስዑዲያ፤ ነቲ ኣብ ከተማ ካርቱምን ገለ ከባቢታት ኡምዱርማንን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ነባሪ ፍታሕ ንምምጻእ ዝዓለመ ምዃኑ ኣመልኪተን።
ኣመሪካን ስዑድያን ብወገነን ኣብ ዘውጾኦኦ ናይ ሓባር መግለጺ፤ ቀዳማይ ደረጃ’ቲ ዘተ፤ ጽኑዕ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ተገይሩ፤ ህጹጽ ሓገዝ ንዘድልዮ ህዝቢ ከተማ ካርቱም ቀረብ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን፤ ሃለኽቲ ነገራትን ምብጻሕ ምዃኑ ሓቢረን።
እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፤ ተጻረርቲ ወገናት ንጻውዒት ሰላም ምቕባሎም ብድሕሪ ምምስጋን፤ ዕዉት ንክኸውን ግና ጎረባብቲ ሃገራት፤ ኢጋድን ዝርከብዎ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም እጃሙ ከበርክት ጸዊዑ።
ተንተንቲ ፖለቲካ ካብ ሱዳን ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ ርእይቶታት፣ ተቐናቐንቲ ወገናት ንሰላም ቅሩባት ከምዘይኮኑ፣ እቲ ዘተ ከኣ ረዲኤት ንኽባጻሕ ግዚያዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ካብ ምግባር ዝሓልፍ ከምዘይኮነ የመልክቱ።
ሲቪላውያን ፖለቲካውያን ሓይልታት ሱዳን ብወገኖም፤ ኣል ቡርሃንን ሓምዳን ዳግሎን፤ ፍልልያቶም ብዘተ ንምፍታሕ ትብዓት ከርእዩ፤ ኣብቲ ዘተ ዝኸፍልዎ ዋጋ ከኣ ምእንቲ ሰላም ህዝቢ ሱዳን ምዃኑ ክዝክሩ ኣተሓሳሲቦም።
ህይወት ልዕሊ 550 ሰባት ቀዚፉ፤ ንኣማቲት ኣሽሓት ከኣ ካብ ቤት ንብረቶም ኣመዛቢሉ ዘሎ ውግእ ወተሃደራውያን ሓይልታት ሱዳን፤ ጎረባብቲ ሃገራት ከይጽምበራኦ ተሰጊኡ እዩ ጸኒሑ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0