ኢራን ንልምምድ ዝተኮሰቶ ሚሳይላት፣ ኣብ ከባቢ ወትሃደራዊ መዓስከር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምዝዓለበ ተሓቢሩ

Radio Erena: 31 July 2020

ኢራን ዝተኮሰቶ ሚሳይላት፣ ኣብ ከባቢ’ቲ ኣመሪካን ፈረንሳን ዓስኪረናሉ ዝርከባ ወትሃደራዊ መዓስከር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምዝዓለበ ተሓቢሩ።

እቲ ናብ ሮቡዕ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፣ ካብ ኢራን ዝተተኮሰ ሚሳይላት፣ ኣብ ክሊ ማያት ናይቲ፣ ኣል ዳፍራ ዝተባህለ ወትሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምዝዓለበ ኣመሪካ ኣረጋጊጻ።

እቲ ወትሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ፣ ህንዲ ካብ ፈረንሳ ዝሸመተተን ራፋል ዝተሰምያ ዘመናውያን ነፈርቲ ውግእ፣ ናብ ህንዲ ክሳብ ዝግዕዛ ዓረፈናሉ ከምዘለዋ ካብ ወገን ህንዲን ፈረንሳን ተገሊጹ።

ካብ ኢራን ዝተተኮሰ ሰለስተ ሚሳይላት፣ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ቀጠርን፣ ናይ ሓደጋ ምልክታት ከምዘርኣየ ዝሓበሩ ወትሃደራውያን ምንጭታት፣ ዒላምኡ ንጹር ከምዘይኮነ’ዮም ጠቒሶም።

ይኹን’ምበር እቲ ኢራን ዝተኮሰቶ ሚሳይላት ንልምምድ ክኸውን ከምዝኽእል ግምታት ይወሃቦ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0