መንግስቲ ዚምባብዌ፣ ስርዓት ሙጋበ ናይ ሕርሻ መሬቶም ንዝመንጠሎም ጸዓዱ ሓረስቶት 3.5 ቢልዮን ዶላር ክክሕስ ተሰማሚዑ

Radio Erena: 31 July 2020

መንግስቲ ዚምባብዌ፣ ስርዓት ሙጋበ፣ ናይ ሕርሻ መሬቶም ንዝመንጠሎም ጸዓዱ ሓረስቶት፣ 3.5 ቢልዮን ዶላር ክኽሕስ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ተሓቢሩ።

እቲ ካሕሳ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሕርሻ ዝነበሮም ወፍሪ ንዝወረደ ዕንወት ዝኽሕስ ደኣ ‘ምበር ናይ መሬት ካሕሳ ከምዘይኮነ’ዩ ተገሊጹ።

ሮበርት ሙጋበ ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ንልዕሊ 4 ሽሕ ጸዓዱ ሓረስቶት፣ ዝነበሮም ሰፋሕቲ ናይ ሕርሻ ወፍሪ ብምህጋር ንተጋደልቲ ነበርን ደገፍቱን ከምዝዓደሎም ዝዝከር’ዩ።

እንተኾነ፣ እታ ናይ ቢልዮናት ዝግመት ናይ ሕርሻ ወፍሪ፣ ብዘይተጸንዐን መንገዲን ንፖለቲካዊ ደገፍን ካብ ጸዓዱ ሓረስቶት ምስ ተወስደ፣ ይትረፍ ዶ ንሰድድ ንውሽጢ ሃገር ዝኣክል እቶት ክርከቦ ከምዘይክኣለ’ዩ ዝምልከት።

ሓደ እዋን፣ መሶብ ኣፍሪቃ እትብሃል ዝነበረ ዚምባብዌ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ 14 ሚልዮን ብዝሒ ህዝባ እቲ ፍርቂ ውሕስነት መግቢ ዘይብሉ ተጸባይ ረዲኤት ኮይኑ ኣሎ።

እታ ሃገር ተሸሚማቶ ካብ ዘላ ቁጠባዊ ውድቀት ንምትንሳእ ምስ ቻይና ዝገበረቶ ርክባት፣ ከናግፋ ኣይከኣለን።

እዛ ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር፣ ባንክ ዓለም ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘን ሓገዝን ልቓሕን ንኽህብዋ ዘቐመጥዎ ቅድመ ኩነት ከተማልእ ኣይከኣለትን።

ብሪጣንያን መሻርኽታ ሃገራት ኤውሮጳን፣ ስርዓት ሙጋበ ኣብ ናይ 38 ዓመታት ስልጣኑ ፣ ኣብ ልዕሊ ጸዓዱ ዜጋታት እታ ሃገር ንዝተኸተሎ ፖሊሲ ብምቅዋም፣ ዘንበራሉ እገዳን ተነጽሎን ነታ ሃገር ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝነበራ ብኸቢድ ሃስዩዋ።

ሙጋበ ድሕሪ’ቲ38 ዓመታት ኣብ ስልጣን ምጽንሑ፣ ኣብ መበል 94 ዓመቱ፣ ኣብ 2017 ብሓዊሲ ዕልዋ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።

ሽግር እታ ሃገር ግና ምስ ሙጋበ’ውን ኣይተኣልየን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ፣ መንግስቲ፣ ወፍሪ ሕርሻ ንምብርባርን ሓድሽ ናይ ንግድን ወፍሪን ዕድላት ንምፍጣርን፣ ነቶም ናይ ሕርሻ መሬታኦም ዝተመንጠሉ ጸዓዱ 3.5 ቢልዮን ዶላር ንምኽሓስ ኣብ ስምምዕ በጺሑ ኣሎ።

ነቲ ስምምዕ ሚኒስተር ፋይናንስ ሙቱሊ ንሱበ ምስ ወከልቲ እቶም ሓረስቶ ከምዝኸተምዎ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0