ኡጋንዳ፣ ንናህሪ ዋጋታት መግብን ሃለኽቲ ነገራትን ዝተቓወሙ 25 ሰባት ተኣሲሮም

Radio Erena: 15 July 2022

ኣብ ኡጋንዳ፣ በዕለቱ ንዝንህር ዘሎ ዋጋታት መግብን ሃለኽቲ ነገራትን ዝቃወም ሰልፊ፣ ኣብ ከተማ ጂንጃ ተኻይዱ።

ጋዜጣ ደይሊ ሞኒተር ካብ ካማፓላ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ድሕሪ’ቲ ብ11 ሓምለ ዝተኻየደ ተቓውሞ፣ ሓይልታት ጸጥታ በብእዋኑ ናይ ዝኣሰርዎም ብዝሒ ሰባት 25 ከምዝበጽሐ ኣመልኪታ።

ጂንጃ፣ ኣስታት 80 ኪሎሜተር ንምብራቕ ካብ ካምፓላ ርሒቓ እትርከብ፣ መስሕብ በጻሕቲ ሃገር ዝኾነት ከተማ’ያ።

ምስ ለበዳ ኮረና ቫይረስን ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኵናትን ተተሓሒዙ፣ ኣብ ኡጋንዳ ዋሕዲ ነዳዲን መሰረታዊ መግብታን እናጎደለ ከምዝመጸ’ዩ ዝግለጽ።

ምስ ዋሕዲ እቲ ቀረባት፣ ዋጋታቱ እናናሃረ ስለዝመጸ ድማ’ዩ ህዝቢ ኣብ ጂንጃ ተቓውሞ ኣካይዱ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ካምፓላን ከባቢኣን ተመሳሳሊ ክስተት ከይፍጠር፣ ሰራዊት ለይቲን ቀትሪን ኣብ ሓለዋ ከምዝርከብ፣ መርበብ ዜና ዘ-ኢንደፐንደት ካብታ ከተማ ኣፍሊጡ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0