ኣስመራ፣ ተመሓይሹ ዝነበረ ምቑራጽ ኤሌክትሪክ እናበኣሰ መጺኡ

Radio Erena: 15 July 2022

ኣብ ኣስመራ፣ ብተደጋጋሚ ዝርአ ምቑራጽ ኤሌክትሪክ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ እናበኣሰ መጺኡ።

ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ገለ እዋናት ምምሕያሽ ዘርኢ እኳ እንተኾነ፣ ዝበዝሐ እዋን ግን፣ ንኣዋርሕ ዝቕጽልን ንነዊሓ ሰዓታት ዝጠፍእን ምዃኑ ይፍለጥ።

ዘይውሑስ ኣገልግሎት ኤልክትሪክ፣ ንመዓልታዊ መነባብርኦ ህዝቢ ብዝበኣሰ የጋድድ ምህላዉ ነበርቲ ከማርሩ ይስምዑ’ዮም።

ኣብዚ እዋን ተኸሲቱ ዘሎ ምቑራጽ ኤልክትሪክ፣ ንኣገልግሎት ቴሌኮሚኒኬሽን ‘ውን ስለዝጸለው፣ መስመራት ቴሌፎን ናብ ኤርትራ፣ ብፍላይ ድማ ሞባይል ብስሩዕ ይሰርሕ የለን።

መንግስቲ ነዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 20ዓመታት፣ ውሑስ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ክቕርብ ዘይክኣለሉ ምኽንያት ንህዝቢ ሓበሬታ’ውን ኣይህብን’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0