ንወደብ ዓሰብ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ መስመር ባቡር ንምስራሕ ዘኽእል መጽናዕቲ ተጀሚሩ

Radio Erena: 13 February 2022

ንወደብ ዓሰብ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ መስመር ባቡር ንምስራሕ ዘኽእል መጽናዕቲ ተጀሚሩ ከምዘሎ፣ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣቃሊሐን።
በዓል ስልጣን መንገዲ ባቡር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብመሰረት ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝተኻየደ ስምምዕ፣ ንኢትዮጵያ ምስ ናይ ኤርትራ፣ ሱዳንን ሶማልን ወደባት ዘራኽብ መርበብ ባቡር፣ ብስሉጥን ኣብ ሓጺር ግዜን ንምስራሕ መጽናዕቲ ከምዝተጀመረ ኣመልኪቱ።
ምኽትል ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ትካል በሃይሉ ስንታየሁ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ 80 ሚእታዊት ኣገልግሎት እታው ኢትዮጵያ ብወደብ ጂቡቲ ብምዃኑ፣ እታ ሃገር ዝሰፍሐን ዝሓሸን ኣማራጺ ኣብ ምድላይ ተጸሚዳ ከምዝጸንሐት ገሊጹ።
እዚ ምስ ወደብ ዓሰብ ዘራኽብ መጽናዕቲ መስመር ባቡር፣ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ጥራይ ተሓጺሩ ምህላዉ ብምምልካት እቲ ምኽትል ኣካያዲ ስራሕ፣ ካብ ወገን መንግስቲ ኤርትራ ንእወታ ዘመልክት ተስፋ እንተዘይኮይኑ ዛጊት ምሉእ መልሲ ከምዘይተረኽበ ገሊጹ።
መስመር ባቡር ኤርትራ-ኢትዮጵያ ንምስራሕ ድሮ ካብ መንግስቲ ኢጣልያ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ቃል ተኣትዩ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ። ምስ ወደብ በርበራ ናይ ሶማል ዘራኽብ መስመር ከኣ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ክምውሎ ምዃኑ በዓል መዚ መንገዲ ባቡር ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ።
እዚ ንኢትዮጵያ ምስ ወደባት ዓሰብ፣ ፖርት ሱዳንን በርበራን ዘራኽብ መርበብ መንገዲ ባቡር፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ 10 ዓመታት ክውዳእ ተኽእሎ ከምዘሎ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ይገልጹ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Emuney 2 years ago

    ኢጣልያ ዝአመነን ማይ ዝሐቆነን ሐደ እዮ፡ሰለ’ዚ እዮ መንግቲ ኤሪትራ verification and filter ዘይኮነ አይዛረብን እዩ።