ዚምባብወ፣ ተቓውሞ ንዘርኣዩ መማህራን ንሰለስተ ወርሒ ካብ ስራሕ ክእገዱ ንዘውጸኦ መምርሒ፣ ዝዓበየ ምምዝባል ዓመተ ትምህርቲ ፈጢሩ

Radio Erena: 13 February 2022

መንግስቲ ዚምባብወ፣ ተቓውሞ ንዘርኣዩ መማህራን ንሰለስተ ወርሒ ካብ ስራሕ ክእገዱ ንዘውጸኦ መምርሒ፣ ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ምምዝባል ዓመተ ትምህርቲ ፈጢሩ።
ናይ መባእታን ላዕለዋይን ደረጃ መማህራን፣ ደሞዝ ወሰኽ ብምጥላብ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ምጽውዖም ዝዝከር ኮይኑ፣ ሚኒስትሪ ትምህርቲ’ታ ሃገር ከኣ ኣብ ስርሑ ንዘይተረኽበ መምህር ናይ ስራሕ ዕድል ክኽልክል ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እንተኾነ ኣብቲ ተቓውሞ ዝተሳተፉ መማህራን ቁጽሮም ልዕሊ 135 ሽሕ ብምዃኑ፣ መንግስቲ ብዝኣወጆ መቕጻዕቲ ዝተላዕለ ሕጽረት መማህራን፣ ቤት ትምህርታት ክዕጸዋ ከምዝተገደዳ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ19 ተዓጽዩ ዝጸንሐ ቤት ትምህርታት ዚምባብወ፣ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ለካቲት እዩ ዳግማይ ተኸፊቱ።
መንግስቲ ዚምባብወ ንመማህራን ናይ 20 ሚእታዊት ወሰኽ ደሞዝ ገይሩ እዩ። እንተኾነ ምስ ምንቁልቋል ዋጋ ባጤራን ቁጠባዊ ቅልውላውን፣ መማህራን ህይወቶም ክመርሑሉ ናብ ዘይክእሉ ደረጃ ከምዝወደቑ እዮም ዘማርሩ።
ነዚ መንግስቲ ዚምባብወ ዝወሰዶ ናይ መቕጻዕቲ ስጉምቲ፣ ካብ ቅዋም’ታ ሃገር ወጻኢ ብምዃኑ ተቐባልነት የብሉን ክብል ማሕበር መማህራን እታ ሃገር ተቓውሞኡ ብምግላጽ፣ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ተራኺቡ ብእዋኑ ብዛዕባ መፍትሒ ዝርከበሉ ኩነታት ክዝቲ ቅሩብ ከምዘሎ ገሊጹ’ሎ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0