ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ክትምርምር ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ክኢላ ኣብ ቤልጁም ምስ ዝርከቡ ኤርራውያን ስደተኛታት ተዘራሪባ

ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ክትምርምር ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ክኢላ ኣብ ቤልጁም ምስ ዝርከቡ ኤርራውያን ስደተኛታት ተዘራሪባ

Radio Erena : 11 March 2015

UNHC

ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክትምርምር ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ክኢላ ሰብኣዊ መሰላት፣ ከም መቀጸልታ ናይቲ እተካይዶ ዘላ መጽናዕቲ ኣብ ቤልጁም ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን ተዘራሪባ።

መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ሸይላ ኪታሩት፣ ካብ ሰኑይ 9 ክሳብ ሎሚ ሮቡዕ 11 መጋቢት ኣብ ቤልጁም ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምርኻብ፣ ንጠንቒ ስደቶም፣ ኣብ ኤርትራ ዝነበርዎ ኩነታትን፣ ህሉው ኩነታት ቤተሰቦምን ወዘተ ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ተዘራሪባ።

 

እታ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክትምርምር ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ፍይቲ ልእኽትን ኣባል መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ዝኾነት ሸይላ ኪታሩት ካብ 2014 ኣትሒዛ ኣብ ጅቡቲ፣ ኢትዮጵያ፣ ጀርመን፣ ኢጣልያ፣ ማልታን ቱኒዝያን ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምዝርራብ ሓበሬታ ክትእክብ ጸኒሓ’ያ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ዜጋታቱ ከቢድ ምግሃድ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽም ምህላዉ ብመርትዖ ንምርግጋጽ፣ ሕቡራት ሃገራት ብክኢላታት ክምርመር ኣብ 2012 ንሸይላ ኪታሩት ከም ፍልይቲ ልእኽቲ እኳ እንተመዘዛ፣ እቲ መንግስቲ ናብ ኤርትራ ከይትኣቱ ስለዝኸልከላ’ያ መጽናዕታ ኣብ ስደት ካብ ዝርከቡ ኤርትራ ሓበሬታ ብምእካብ ከተካይዶ ተገዲዳ ዘላ።

ሸይላ ኪታሩት ናይ ዘካየደቶ መጽናዕታ ሳልሳይ ጸብጻባ ኣብ ሰነ 2015 ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ከተቕርብ’ያ።

መንግስቲ ኤርትራ መሰል ሃይማኖት፣ መሰል ሃሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ፣ መሰል ብናጻ ናይ ምንቕስቓስን ካልእን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ መሰላት ደቂ ሰብ ብምግሃስ ካብ ዝኽሰሱ መንግስታት ዓለም ምስቶም ቀዳሞት’ዩ ዝስራዕ።

ብሰንኩ ድማ ኤርትራ እታ ዝበዝሑ ስደተኛታት እተፍሪ ሃገር ኮይና ምህላዋ ይግለጽ።

======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0