ንኢትዮጵያ ዘስግእ ሓይሊ፣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ሽበራዊ ጉጅለ ስለዝተባህለ ብኣመሪካ ሽበራዊ ተባሂሉ ከምዘይግለጽ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣረዲኡ

ንኢትዮጵያ ዘስግእ ሓይሊ፣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ሽበራዊ ጉጅለ ስለዝተባህለ ብኣመሪካ ሽበራዊ ተባሂሉ ከምዘይግለጽ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣረዲኡ

Radio Erena: 28 July 2015

Obama

ንኢትዮጵያ ኣስጋኢ ዝኾነ ሓይሊ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ሽበራዊ ጉጅለ ስለዝተባህለ ብኣመሪካ ከም ሽበራዊ ጉጅለ ይጥመት ማለት ከምዘይኮነ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ፕረዚደንት ኣመሪካ ባራክ ኦባማ ኣረዲኡ።

እቲ ፕረዚደንት ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፣ “ኣብ ኤርትራን ኣመሪካን ዝርከቡ ሽበራውያን ጉጅለታት ኣመሪካ ከመይ’ያ ትጥምቶም” ንዝብል ካብ ሓደ ናይ ኢትዮጵያ ሬድዮን ቴሌቪዥንን ጋዜጠኛ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝመለሰሉ እዋን’ዩ፣ ኢትዮጵያ ስግኣት ንዝኾና ሓይሊ ሽበራዊ ጉጅለ እኳ እንተበለቶ፣ ብዓይኒ ጸጥታ ኣመሪካ ግና ከምሽበራዊ ጉጅለ ክግለጽ ከምዘይክእል ዝሓበረ።

ይኹን’ምበር ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብወትሃደራዊ ጎነጽ ክኣሊ ዝብገስ ዝኾነ ሓይሊ ከምዝእትቃወሞ ጠቒሱ።

ኣብ ዝኾነ ቦታ ንዝኽሰት ሽበራዊ ምቅዋም ናይ ኣመሪካ ፖሊስ ምዃኑ እቲ ፕረዚደንት ኣነጺሩ።

ኣብዚ ናይ ኢትዮጵያ ዑድቱ፣ ነታ መሓዛ ኣመሪካ ዝኾነት ኢትዮጵያ ዝገጥማ ዘሎ ብድሆታትን ዘለዋ ስግኣትን ከምዝዘተይሉ ዝሓበረ ባራክ ኦባማ፣ ነቶም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ስግኣት ዝኾኑ ጉጅለታት ሽበራዊ ከብሎም ዝኽእል ጭብጥታት ንምእካብ ዝሕግዝ ስለያዊ ሓበሬታ ምልውዋጥ ከምዘድሊ’ውን ኣገንዚቡ።

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብዚ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ካብ ዝዘተየሎም ነጥብታት ሓደ፣ ጉዳይ ኣልሸባብን ካልኦት ጉጅለታትን ኣብ ዞባ ቀርኒ ፈጢሮሞ ዘለዉ ስግኣትን ዝብል ይርከቦ።

ፖለቲካዊ መሪሕነቱ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ግንቦት 7 ዝተባህለ ተቓዋሚ ሓይሊ፣ ኣብ ኤርትራ ምስ ዝርከቡ ተቓወምቲ ውድባት ወትሃደራዊ ልፍንቲ ብምቋም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስግኣት ይፈጥር ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይ ግንቦት ሸውዓተ ዝነበረ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽጌ ናብ ኤርትራ እናመርሐ እንከሎ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ የመን ተታሒዙ ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምርካቡ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ኣብ ኣመሪካ ዝምቕማጡ ዶክተር ብርሃኑ ነጋ ዝተባህለ ላዕለዋይ መራሒ ናይቲ ውድብ ናብ ኤርትራ ኣትዩ ከምዘሎ ኣብ ወጻኢ ዝመደበረን ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ይገልጻ።

ካብ ኤርትራ ከምዝተበገሱ ዝነተንገረሉ ዕጡቓት’ውን ኣብ ከባቢ ዶብ ኢትዮጵያ ወትሃደራዊ ስርሒታት ንምክያድ ከምዝፈተኑን፣ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ግና ከቢድ ክሳራታት ወሪድዎም ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ከምዝኾኑን ካብ ወገን ኢትዮጵያ ክስማዕ ቀንዩ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ’ውን ንፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ተጻብኦታት እንተቐጺሉ፣ ስጉምቲ ክንወስድ ክንግደድ ኢና ምባሉ ይዝከር።

እንተኾነ እቲ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር መግለጺ፣ ፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳ ምዃኑ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ዲፕሎማሰኛታት ትንታነታቶም ሂቦሙሉ’ዮም።

===============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0