ኤርትራ፣ ምስ ጎረባብተን ስኒት ካብ ዘይብለን ሃገራት ምስተን ቀዳሞት ተሰሪዓ

ኤርትራ፣ ምስ ጎረባብተን ስኒት ካብ ዘይብለን ሃገራት ምስተን ቀዳሞት ተሰሪዓ

Radio Erena: 28 July 2015

Horn of Africa

ኤርትራ ካብተን ምስ ጎረባብተን ስኒት ዘይብለን ሃገራት ዓለም ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ሃገራት ሓንቲ ምዃና ብግሎባዊ ሰላም ዝቐረበ መጽናዕቲ ምምልካቱ ዘ ኢንዲፐንደንት ኣብ ናይ 27 ሓምለ ጽሕፉ ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ዝቐረበ መጽናዕቲ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብደረጃ ዓለም ምስ ጎረባብተን ስኒት ዘይብለን ሃገራት ተባሂለን ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ዘለዋ ዩክሬን፣ ሶርያ፣ ሩስያ፣ ሰሜን ኮርያ፣ ሊባኖስን ኣዘርባዥያንን ክኾና እንከለዋ፣ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝተሰርዓ ድማ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሶማልያ፣ ሱዳን፣ ፓኪስታን፣ ሊብያ፣ ደቡብ ኮርያ፣ እስራኤል፣ ኤርትራ፣ ኢራን፣ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃን ኣርሜንያን’የን።

 

እዘን ሃገራት ምስ ጎረባብተን ስኒት ዘይብለን ተባሂለን ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ዝተሰርዓሉ ምኽንያት፣ ምስ ጎረባብተን ዘለወን ዝምድናን ደረጃ ዞባውን ኣህጉራውን ዲፕሎማሲን እቲ ኣውራ መምዘኒ ክኸውን እንከሎ፣ ዶባዊ ግጭትን ናይ ውክልና ኵናትን’ውን ኣብ ግምት ኣትዩ ኣሎ።

ኤርትራ፣ ብዘይካ’ቲ ምስ ሱዳን ዘለዋ ስለታዊ ዝምድና ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ዝኾነት ካልእ ሃገር ጥቡቕ ዝምድና ከምዘይብላ ይፍለጥ።

====================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0