ንታሪኽ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ እተዘንቱ ፊልም ኣብ ሲነማታት ኤውሮጳ

RADIO ERENA – Monday, 06 May 2024

‘This is my moment’ ወይ እዋነይ እዩዘርእስታ ንታሪኽ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም Intermarché – Wanty ቢንያም ግርማይ እተዘንቱ ሰነዳዊት ፊልም፣ ኣብ ኣብያተ ሲኔማ ኤውሮጳ ንተዓዘብቲ ክፍትቲ ኮይና።

እዛ ካብ ባሕቲ ግንቦት ኣትሒዛ ትርአ ዘላ ፊልም፣ ንጉዕዞ ሂወት ዕቤት ቅድድም ብሽክለታ

ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ እትትርኽ ፊልም ብልጅዩማዊ ሊቨን ኮርትሃውትስ ዝታደለወት ኮይና፣ ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ፣ ኣብ ካልእ ክፋል ዓለምውን ንምርኢት ክትቐርብ መደባት ተታሒዙላ ኣሎ።

VRT ዝተባህለት በልጅዩማዊት ማዕከን ዜና ብዘቕረበቶ ጸብጻብ መሰረት፣ ኣዳላዊ እታ ፊልም፣ ሊቨን ኮርትሃውትስ፡ ንቢኒያም ፈለማ ኣብ 2018፡ ኣብ ርዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣህጉር ኣፍሪቃ ጁንየር ተቐዳደምቲዩ ተዓዚብዎ።

ብብቕዓቱን ውጽኢቱን ስለ ዝተመሰጠ ድማ፡ ኣብ ዝቕጽል ጉዕዝኡ ብካሜራ ክስዕቦ ዝኽእል እንተድኣ ኮይኑ ሕቶ

ኣቕሪብሉ። ካብ ቢንያም ፍቓድ ስለ ዝረኸበ ከኣ፡ እናተኸታተለ ነዛ This is my moment’ – ‘እዋነይ እዩዝብል ኣርእስቲ ዝተዋህባ ኣዘንታዊት ፊልም ክስንድ ክኢሉ።

ቢንያም ግርማይ፣ ኣብ ታሪኽ ዓበይቲ ኣህጉራዊ ቅድድማት ብሽክለታ ጸብለል ክብሉ ካብ ዝኸኣሉ ሒደት ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ስፖርታውያንዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0