ዓወት ቢንያም ግርማይ ኣብ 3ይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢጣልያ

RADIO ERENA – Monday, 06 May 2024
ውድድር ግራንድ ቱር ጂሮ ዲ ኢጣልያ: ሎሚ ሰኑይ 6 ግንቦት 2024 ሳልሳይ መድረኽ ቐጺሉ ኣብ ዝወዓለሉ: ኤርትራዊ ኣባል በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም Intermarché – Wanty ቢንያም ግርማይ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ተቋዳሲ ፖድየም ኮይኑ::
ኣብ’ዚ 166 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ብሓያል ቅድድም ሽኳ ዝተዛዘመ መድረኽ: በልጅዩማዊ ቲም መርሊር ቀዳማይ ብምውጻእ ክዕወት ከሎ: ኢጣልያዊ ዮናታን ሚላን ካልኣይ ደረጃ ሒዙ::
ቢንያም ግርማይ ሎሚ ብሓፈሻ ብዝረኸቦ 31 ነጥቢ ኣብ ውድድር ማልያ “ቺክላሚኖ” ሽኳ ራብዓይ ደረጃ ክስራዕ ከሎ: ቲም መርሊር ብ63 ቀዳማይ ኮይኑ ይመርሕ::
ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ መድረኽ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ሄኖክ ሙሉብርሃን ካብ ኣስታና መበል 78: ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ካብ ሊድል-ትሬክ መበል 146 ኮይኖም ቅድድሞም ወዲኦም::
ጂሮ ዲ ኢጣልያ ጽባሕ ሰሉስ 7 ግንቦት ብናይ 190 ኪሎ ሜትር ጉዕዞ ክቕጽል እዩ::
እዚ መድረኽ’ዚ’ውን ከም ናይ ሎሚ: ንቢንያምን ናይ ሽኳ መተሃላልኽቱ ዝኾኑ ተቐዳደምቲ ዝምእምእ እዩ::
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0