ንከቢድ ናብራ ሊብያ፣ ብስነ ጥበብ ዝብድህ ዘሎ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ

Radio Erena: 25 June 2020

ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር፣ ካብ ዶባት ኤርትራ ጀሚርካ ክሳብ ማእከላይ ባሕሪ ዘሎ በዳሂ ጉዕዞ ስደት፣ ሓደ ዓቢ ክፋል ዛንታ ሓድሽ ወለዶ ኤርትራውያን ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ በረኻታት ሱዳንን ሊብያን፣ ንኤርትራውያን ካልኦት ዜጋታት ጎረባብቲ ሃገራትን ዝገጥሞም ዘሎ መከራን ስቓይን ናይ መዓልቲ ዜና ካብ ዝኸውን ዓመታት ሓሊፉ’ዩ።

ማእከላይ ባሕሪ ቅድሚ ተሳጊርካ ኤውሮጳ ቅድሚ ምእታው፣ ሊብያ እታ ናይ መወዳእታ ክትሕለፍ ዘለዋ ሃገር’ያ።

ኣብዛ ሃገር ኣሽሓት ኤርትራውያን፣ ዘባህርር ግፍዕታት ሰጊሮም’ዮም። ገና’ውን ይሰግሩን ኣለዉ።

ሰለሙን ገብረዮናስ ኣብ ሊብያ ሰለስተ ዓመታት ተቐሚጡ።

ሰለሙን፣ ኣብቲ ምስ ሜድያ ትካል ስደተኛታት ዝገበሮ ዕላል፣ ኣብ ሊብያ ንዘሕልፎ ዘሎ ናብራ ብምረት ጥራይ ከስተንትኖ ኣይመረጸን።

“ብዘይ ቅብኣ ክነብር ኣይክእል’የ። ካብዚ ዓውዲ ስነጥበብ ተፍልየ ክንበር’ውን ኣይደልን” ዝበለ ሰለሙን፣ ካብቲ ንዕለታዊ መግብታት ዝረኽብዎ ሒደት ገንዘብ፣ ናይ ቅብኣ ናውቲ ከምዝሽምት ሓቢሩ።

ወዲ 29 ዓመት ሰለሙን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ከተማ ጣራብሎስ ኣብ ዝርከብ ዘይተዛዘመ ህንጻ ምስ ኣስታት 200 ዝኾኑ ኤርትራውያንን ዜጋታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ብሓባር’ዩ ዝነብር።

ሰለሙን፣ ወላዲቱ ወርቃ ሸይጣ ዝልኣኸትሉ ኣስታት 5,500 ዶላር ከፊሉ ብጃልባ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ፈቲኑ’ዩ።

እንተኾነ ብሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ተታሒዙ ናብ ማእሰርቲ ኣትዩ።

ኣብ ማእሰርቲ ብዘማዕበሎ ሕማም ዓባይ ሰዓል፣ ከሸግሮ ድሕሪ ምጅማሩ’ውን ክእለየሉ ናብ ዝኽእል ካልእ ግዝያዊ መዕቖቢ ኣትዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ጥዕንኡ ተመሓይሹ፣ ኣብ ዝነብረሉ ዘሎ ህንጻ ከተማ ጣራብሎስ፣ ዝበዝሐ ግዜኡ ብቅብኣ የሕልፍ ኣሎ።

ኣብዚ ዓለምና፣ ኣተኩሮኣ ኣብ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኮይኑሎ ዘሎ እዋን፣ ሰለሙን ኣብ ቅብኣ’ዩ ኣድሂቡ።
መብዛሕትኡ ፍርያቱ ንእምነቱ’ዩ ዘንጸባርቕ።

“ኣብ እምነትን ስነ ጥበብን ኩሉ ግዜ ተስፋ ኣሎ።” ብምባል ድማ ንዝበለጸ መጻኢ የማዕዱ።

ኣብ ሊብያ፣ ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 49 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ከምዘለዉ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0