ሱዳን፣ ካብ ኢትዮጵያ ዝተፈንወላ መጥቃዕቲ ከምዘበርዓነት ኣፍሊጣ

Radio Erena: 25 June 2020

ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ዶባት ዓስኪሩ ካብ ዝርከብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተፈንወሉ መጥቃዕቲ ከምዘምከነ ኣፍሊጡ።

እቲ ሰራዊት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዞባ ገዳርፍ ኣብ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከር ኣንፋል መጥቃዕቲ ከምዝካየደ ብምጥቃስ፣ ሓይልታት ሱዳን ብዝሃብኦ ግብረ መልሲ ክሳራታት ተጎልቢቡ ከምዝተመልሰ ኣመልኪቱ።

ሰራዊት ሱዳን፣ ሉኣላዊ መሬት ሃገሩ ናይ ምክልኻል ምሉእ መሰል ከምዘለዎ እቲ መግለጺ ኣዘኻኺሩ።

ብዛዕባ ካብ ክልቲኦም ወገን ዝወረደ ጉድኣት ዛጊት ኣይተሓበረን።

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዶብ ሱዳን ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ሓደ መኮነን ዝርከቦም ሰለስተ ወትሃደራት ከምዝተቐትልዎ ኣፍሊጡ’ዩ።

ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ኣብ ዶባተን ብዝርከብ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬትን መጋሃጫን ግጭታት ክካየድ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0