ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ዝተነጽገ ኤርትራውያን ነበርቲ ስዊስ፣ ብዘይድሌቶም ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክፋነዉ፣ ዝብል እማመ ቀሪቡ

Radio Erena: 26 March 2023

ስእሊ፡ ኣርካይቭ ኢንተርነት

ናይ ዑቕባ መሰል ዘይተዋህቦም ኤርትራውያን ነበርቲ ስዊዘርላንድ፣ ብዘይድሌቶም ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክፋነዉ፣ ዝብል እማመ ቀሪቡ።
ነቲ እማመ ዘቕረበ ኣባል ቆንስል ዳምያን ሚዩለር፣ ብገዛእ ፍቓዶም ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ዝደልዩ ቀዳምነት ክወሃቦም፣ እንተዘይኮይኑ ግና፣ ብሕጂ ናብ እትርቋሕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብዘይድሌቶም ክጥረዙ ዝብል እማመ እዩ ዘቕርብ ዘሎ።
እዚ እማመ፣ ብዝበዝሑ ኣባላት ቆንስል ፈደራላዊ መንግስቲ ተቐባልነት ረኺቡ ግብራዊ ክሳብ ዝኸውን፣ ነዊሕ መስርሕን ግዜን ዝሓትት ምዃኑ፣ ራድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ተጣበቕቲ መሰላት ይገልጹ።
መንግስቲ ኤርትራ ካብ ወጻኢ ሃገራት ንዝጥረዙ ዜጋታት ከምዘይቅበል ዝገልጽ እቲ ኣባል ቆንስል፣ ክሳብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ 336 ናይ ዑቕባ መሰል ዘይተዋህቦም ኤርትራውያን ኣብ ስዊዘርላንድ ከምዘለዉ ገሊጹ።
ኣቐድም ኣቢላ ዜጋታት ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ክትቅበል ምስ እስራኤልን ዓባይ ብሪጣንያን ዝተሰማመዐት ሩዋንዳ፣ ከም ቀዳመይቲ ምርጫ’ቲ ኣባል ኮንስል ስዊዘርላንድ ኮይና ኣላ።
ኣምሳያ ናይቲ ብቕዓት ዘይብሉ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት፣ ብርክት ዝበለ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ክትረክብ ዝጸንሐት ሩዋንዳ፣ ንስደተኛታት ከም ምንጪ ኣታዊ ናይ ወጻኢ ባጤራ ትጥቀመሎም ኣላ ዝብል ክሲ ክቐርበላ ጸኒሑ’ዩ።
ኣብ 2021 ዓመተ ምህረት ተመሳሳሊ ውሳኔ ዘሕለፈት ዴንማርክ፣ ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ናይ ምጥራዝ መስርሕ ብወግዒ ከምዘይጀመረት ክግለጽ እንከሎ፣ ፈረንሳ’ውን ኣብ ቀረባ ግዜ፣ ስደተኛታት ክረኽብዎ ዝጸንሑ መሰላት ዝገትእ ውሳኔ ከተሕልፍ ኣብ ምድላው ከምዘላ ይንገር።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0